ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ሚያዝያ 2009 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 2 መጋቢት ክሳዕ 27 ሚያዝያ 2009 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ዮሴፍ ነቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ መዓልታዊ ፈተና ብኸመይ ተዋጽኣሉ፧ (ዘፍ. 39:7-12) [lv ገጽ 105 ሕ.ጽ. 18–ገጽ 106 ሕ.ጽ. 20]
2. ብዛዕባ ዕለት ልደት ምብዓል መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚጠቅስ፧ (ዘፍ. 40:20-22) [lv ገጽ 150 ሕ.ጽ. 9–ገጽ 151 ሕ.ጽ. 11]
3. ሰባት ኪብድሉና ኸለዉ ይቕረ ብምባል ዝመጸ፡ ዮሴፍ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 45:4, 5) [w99 1/1 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 2-3]
4. እቲ ዮሴፍ፡ “ነዕጽምተይ ካብዚ ኣደይብዎ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ (ዘፍ. 50:25) [w07 1/6 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 10]
5. ሓደ ኸቢድ ዕዮ ኽንቅበል ከለና፡ ምትእምማን ከም ዚህልወና ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ዘጸ. 4:10, 13) [w04 15/3 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 4]
6. የሆዋ ነቲ ንፈርኦን ዚምልከት ጕዳይ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ረብሓ እዩ ኣምጺኡ፧ እዚ ፍጻመታት እዚኸ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ (ዘጸ. 9:13-16) [w05 15/5 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 8]
7. ዘጸኣት 14:30, 31፡ ነዚ ግዜና እንታይ ትርጕም ሒዛ ኣላ፧ [w04 15/3 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 5]
8. ኣብ ዘጸኣት 16:1-3 ምጕርምራም እንታይ ሓደጋታት ከም ዘለዎ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧ [w93 15/3 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 2–ገጽ 21 ሕ.ጽ. 2 እንግሊዝኛ]
9. ብመሰረት እቲ ኣብ ዘጸኣት 19:5, 6 ተገሊጹ ዘሎ ውዕል እቲ ሕጊ ኺዳን፡ እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ እዮም “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ነይሮም ኪበሃል ዚከኣል፧ [w95 1/7 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 8]
10. እታ ብዛዕባ ስስዐ እትገልጽ ዓስረይቲ ትእዛዝ፡ ሰባት ካብ ዜውጽእዎ ሕግታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧ (ዘጸ. 20:17) [w06 15/6 ገጽ 23-24 ሕ.ጽ. 16]