መደብ 23 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
23 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21 (191)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 143 ሕ.ጽ. 13-ገጽ 147 ሕ.ጽ. 20 ከምኡውን ሳጹን
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 32-35
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 22 (130)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ኣብ መጋቢት ንዚዕደል ጽሑፍ ኣተኵረሉ።
10 ደቒቕ፦ ናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መጋቢት ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነን ሕተቶም። ዝርርብ ንምጅማር ዚጥቀሙላ ሕቶን ነታ መጽሔት ቅድሚ ምብርካቶም ንሰብ ቤት ዜንብቡሎም ጥቕስን ኪገልጹ ዓድሞም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ብምቕራብ ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ትጥቀሙላዶ ኣለኹም፧ ኣብ መቕድም እታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2009 ተመርኲስካ ዚወሃብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። መዓልቲ መዓልቲ ነታ ጥቕስን ሓሳባታን ግዜ ወሲድካ ምንባብ ዘለዎ ጥቕሚ ተመያየጠሉ። ሰማዕቲ መዓስ ከም ዜንብቡን ብኸመይ ከም እተጠቕሙን ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 16 (143)