ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 23 ለካቲት 2009 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 5 ጥሪ ኽሳዕ 23 ለካቲት 2009 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. እቲ ብርሃን ዚህብ ሰማያዊ ኣካላት ክሳዕ እታ ራብዐይቲ መዓልቲ ዘይተፈጥረ እንተ ደኣ ነይሩ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ብኸመይ እዩ ብርሃን ዘብርሀ፧ (ዘፍ. 1:3, 16) [w04 1/1 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 5]
2. ኖህ ንከነኣን ዝረገሞ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 9:20-25) [w04 1/1 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 2]
3. እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ካብ መዓስ እዩ ኺዓዪ ዝጀመረ፧ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜኸ ቐጸለ፧ (ዘፍ. 12:1-4) [w04 15/1 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 4፣ w01 15/8 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 13]
4. ኒምሮድን እቶም መሪሕነቱ ዝሰዓቡ ሰባትን ‘ስሞም ኬጸውዑ’ ዝነበሮም ሸቶ ኸም ዘይሰለጦም እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ (ዘፍ. 11:4) [w98 15/3 ገጽ 25]
5. ሎጥ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:7 “ጻድቕ” ተባሂሉ እኳ እንተ ተጸውዐ፡ ንኣዋልዱ ነቶም ብልሹዋት ጭፍራ ኺህበን ዝሓሰበ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 19:8) [w05 1/2 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 15-16፣ w04 15/1 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 3]
6. ሰብ ሓዳር ካብቲ ኣብርሃም ንእስማኤል ብዚምልከት ኣብ መንጎ ኣጋርን ሳራን እተላዕለ ዘይምስምማዕ ዝፈትሓሉ መገዲ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ዘፍ. 21:10-14፣ 1 ተሰ. 2:13) [w06 15/4 ገጽ 5-8]
7. ኣምላኽ ንጸሎት ከም ዚምልስ ዜርኢ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃብ። (ዘፍ. 24:12-14, 67) [w08 15/2 ገጽ 3 ሕ.ጽ. 4]
8. ያእቆብ፡ መላእኽቲ ‘ብመሳልል ኪድይቡን ኪወርዱን’ ከለዉ ብሕልሚ ምርኣዩ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ (ዘፍ. 28:10-13) [w03 15/10 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 4፣ it-2 ገጽ 189 እንግሊዝኛ]
9. ራሄል ንምልዖ ወዲ ልያ ኽትረክብ ዝጸዓረት ስለምንታይ እያ፧ (ዘፍ. 30:14, 15) [w04 15/1 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
10. ኣብነት ዲና ኻብቲ ሓደጋ ዜምጽእ ነገራት ዘይምርሓቕ ዜስዕቦ ጕድኣት ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 34:1, 2, 19) [w04 15/10 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 6፣ ገጽ 22 ሕ.ጽ. 5]