ኣብ ኣፓርታማ ብምምስካር፡ ‘ብእተማልአ መገዲ መስክር’
1. ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ምምስካር’ እንታይ የጠቓልል፧
1 ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ኽንምስክር’ ንደሊ ኢና። (ግብ. 20:24 NW) ስለዚ ድማ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ንዅሎም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ከነብጽሖ ኢና እንጽዕር። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ህንጻታት ኣፓርታማ ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት የጠቓልል። ሓድሓደ ግዜ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻታት ምእታው ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣፓርታማታት ብዙሓት ሰባት ስለ ዚነብሩ፡ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና እዩ።
2. ኣብ ኣፓርታማ ኣብ ዚግበር ምስክርነት፡ ምስትውዓልን ምምዝዛንን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ስግኣት ገበንን ዓመጽን እናሓየለ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ህንጻታት ኣፓርታማ ይሽጐርን ሓላዊ ወይ መሐለዊ ካሜራ ይግበረሉን ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) እቶም ኣመሓደርቲ እቲ ህንጻ፡ ከይተዓደሙ ዚመጹ ሰባት ከይኣትዉ ሕጊ የውጽኡ ይዀኑ። ብፍላይ ሓደ ኻብቶም ነበርቲ እንተ ኣማሪሩ፡ እቶም ሓለውቲ ኻብቲ ህንጻ ኽንወጽእ ይዛረቡና ይዀኑ። ስለዚ፡ መስተውዓልን መመዛዘንን ምዃን ኣገዳሲ እዩ።
3. ኣብ ኣፓርታማታት ምግልጋል ዝሓሸ ዝዀነሉ እዋን መዓስ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
3 መዓስ ከነገልግል ከም ዘሎና፦ ከምቲ ኣብ ካልእ ዓይነት ክሊ እንገብሮ፡ ኣብ ኣፓርታማታት እውን እቶም ነበርቲ ኣብ ዚህልዉሉ እዋን ምስባኽ ዝሓሸ እዩ። መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ ዘይርከቡሉ እዋን እንተ ኼድና፡ ጥርጣረታት ኬሕድር ይኽእል እዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣጋ ምሸትን ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን ብብዝሒ ሰባት ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም። ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣንጊህካ ኣብ ኣፓርታማታት ምግልጋል፡ መረረት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።
4, 5. ናብ እተሸጐረ መእተዊ ዘለዎ ህንጻታት ኣፓርታማ ብኸመይ ክንኣቱ ንኽእል፧
4 ናብ ህንጻ ኣፓርታማ ምእታው፦ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጽማዶም፡ ምስ ሓለውቲ እቲ ህንጻ ወይ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ኣፓርታማ ኺዘራረቡ የብሎምን። ሓደ እተዓጽወ ህንጻ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ኢንተርኮም ዚበሃል ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ዜራኽብ መዘራረቢ እንተ ኣልይዎ፡ ብእኡ ጌርና ብምዝርራብ ንኪኸፍተልና ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ከከም እቲ ዓይነት ኣፓርታማታት፡ ምስቲ ኽንኣቱ ዝፈቐደልና ሰብ ድሕሪ ምዝርራብና፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ንኻልኦት ከነዘራርብ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ካልእ መዳያት ግን፡ ካብቲ ህንጻ ወጺእና እንደገና በቲ ኢንተርኮም ጌርና ምስ ካልኦት ነበርቲ ኽንዘራረብ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ መገዲ እዚ ብምጥቃም፡ ኣብ ሓደ እዋን ንኽንደይ ዚኣኽሉ ነበርቲ ኸነዘራርብ ከም ዘሎና ንምውሳን ከነመዛዝን ኣሎና።
5 ገሊኦም ነበርቲ በቲ ኢንተርኮም ዕላማ ምብጻሕካ ኽትሕብሮም ይደልዩ ይዀኑ። ከምኡ እንተ ደልዮም፡ ብምቕሉል መገዲ ተላለዮም። ኣብቲ መሐበሪ፡ ስም እቲ ብዓል ቤት እንተ ኣልዩ፡ ተጠቐመሉ። ብሕጽር ዝበለ መገዲ ጕዳይካ ግለጽ። ገሊኣቶም ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ሪዝኒን ብምንባብ፡ ኣሳልጦ ረኺቦም ኣለዉ።
6. ሓላዊ ኣብ ዘለዎ ህንጻታት ከነገልግል ከለና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
6 ኣብቲ ህንጻ ኸነገልግል ዘይፈቕደልና ሓላዊ እንተ ኣልዩ፡ ንዕኡ ንኽንምስክረሉ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ብዙሓት ሓለውቲ፡ ጽሑፋትና ምንባብ ባህ ይብሎም እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሉን ኣብቲ ዚሰርሓሉ ኽፍሊ ዄንና ኽንመርሓሉን ንኽእል ንኸውን። እቲ ሓላዊ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ነባሪ ኽንበጽሖ እንተ ፈቒዱልና፡ ኣብቲ ህንጻ ንዘለዉ ኻልኦት እንተ ዘይኳሕኳሕና ይሓይሽ።
7. ምስክርነት ንምሃብ ብዛዕባ እንጥቀመሉ ቦርሳ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧
7 ትርኢትናን ስርዓትናን፦ ገዚፍን ቅጽጽ ዝበለን ቦርሳ ምሓዝ፡ ተጠመትቲ እዩ ዚገብረና። ስለዚ፡ ንእሽቶ ቦርሳ ኽንሕዝ ወይ ዋላ ሓንቲ ኸይንሕዝ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ዚብርከት ጽሑፋት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ማህደር ገይሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብ ኢዶም ወይ ኣብ ጁባኦም ሒዞም ይኸዱ።
8. ሓደ ጕጅለ ኣብ ኣፓርታማ ንዚገብሮ ምስክርነት ብኸመይ ኪውደብ ኣለዎ፧
8 ብፍላይ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ወይ ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ እቲ ህንጻ ኣፓርታማ ምትእኽኻብ ዘየድሊ ኣቓልቦ ስለ ዚስሕብ፡ ከምኡ ኽንገብር የብልናን። ብዙሕ ገበን ኣብ ዚፍጸመሉ ቦታታት ኣብ ዚርከብ ኣፓርታማታት ክንሰብኽ ከለና፡ ግቡእ ጥንቃቐታት ኪግበር ኣለዎ። (ምሳ. 22:3) ንኣብነት፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ጽምዲ ኣስፋሕቲ፡ ሓደ ነቲ ኻልእ ኪሰምዑሉ ኣብ ዚኽእሉ ርሕቐት ኰይኖም ኣብ ሓደ ኮሪዶር ኬገልግሉ ይኽእሉ ይዀኑ፣ ምናልባት እውን እናተጸባበዩ በብተራ ይዅሕኵሑ ይዀኑ።
9. ብኸመይ ስነ-ስርዓት ክንሕሉ ንኽእል፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
9 ናብ ህንጻ ኣፓርታማ ኽትኣቱ ኸለኻ፡ ጫማኻ ጽረግ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ማዕጾ ብግቡእ ዕጸዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ምሕላውና፡ ካብቶም ነበርቲ መረረት ይንኪ እዩ። ሓንሳእ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ምስ ኣተኻ፡ ኣብቲ መእተዊ ኣብ ክንዲ እትደናጐ፡ ብቐጥታ ናብ ሊፍት ወይ ናብቲ እተገልግለሉ ደርቢ ኺድ። እዚ ንጥርጣረ ተመልከትቲ የወግዶ እዩ።
10. ኣብ ኮሪዶር ዘየድሊ ድምጺ ኻብ ምግባር ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ኣብ ሓያሎ ህንጻታት ኣፓርታማ፡ ኣብ ኮሪዶር ድምጺ ይቃላሕ እዩ። ስለዚ፡ ካብቲ ነቲ ብዓል ቤት ኪሰምዓካ ዜድሊ መጠን ደሃይ ንላዕሊ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኣይትዛረብ። ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኽትዘራረብ ከለኻ፡ ደሃይካ ነክይ፣ እንተዀነ ግን፡ ጥርጣረታት ምእንቲ ኸይትፈጥር ብህዱእን መጠኑ ዝሓለወን ደሃይ ተዛረብ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ እቶም ነበርቲ ምእንቲ ኸይርበሹ ኢሎም፡ ብቐጥታ ተር ኣቢሎም ኣብ ክንዲ ዚዅሕኵሑ፡ ካብ ሓደ ጫፍ እቲ ኮሪዶር ክሳዕ እቲ ኻልእ ጫፍ እናቐያየሩ ይዓዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ማዕጾ ብሓይሊ ወይ ስልጣን ከም ዘሎካ ጌርካ ምዅሕኳሕ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኼፍርሆም ይኽእል እዩ።
11. መርኣዪ ነዃል ኣብ ዘለዎ ማዕጾ ኽንኵሕኵሕ ከለና፡ እንታይ ሓሳባት ኪጠቕመና ይኽእል፧
11 እቲ ማዕጾ መርኣዪ ነዃል እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚርኢ ብዓል ቤት ንዓኻን ንብጻይካን ኪርእየሉ ኣብ ዚኽእል ቦታ ደው በል። ናብታ መርኣዪ ነዃል ብቐጥታ ጠምት፡ ሰብ ይርእየኩም ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ ኸኣ፡ ጽቡቕ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ መእተዊኻ ኣቕርብ። እቲ ሰብ ‘መን ኢኻ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ ስምካን ስም ብጻይካን ምንጋር ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ብዓል ቤት ፍዅስ ኢልዎ ነቲ ማዕጾ ይኸፍተልካ ይኸውን። ዋላ እውን እንተ ዘይከፊቱልካ፡ እቲ ማዕጾ ብዕጹዉ መእተዊኻ ኸተቕርበሉ ትኽእል ኢኻ።
12. ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ጽሑፍ ክንገድፈሎም ከለና፡ ብኸመይ ኢና ጸገማት ከነወግድ እንኽእል፧
12 ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ፦ ንህንጻታት ዚከናኸኑ ሰባት ብብዝሒ ኻብ ዜስምዕዎ መረረት ሓደ፡ ኣብ ኮሪዶር ወይ ኣብ ከባቢ እቲ ህንጻ ጽሑፋት ኪኣርዩ ዚግደዱ ምዃኖም እዩ። ኣብ ኣፍ ደገ ዚግደፍ ጽሑፍ፡ ብቐሊሉ ናብ ባይታ ወዲቑ ነቲ ኸባቢ ኼጋዕዝዮ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ዚግደፍ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ፡ ካብ ኣዒንቲ ሓለፍቲ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ኪኽወል ኣለዎ።
13. እተቘጥዐ ብዓል ቤት እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
13 እተቘጥዑ ሰብ ቤት፦ ሓለውቲ ኺጽውዕ ዚደናደን እተቘጥዐ ብዓል ቤት እንተ ኣጋጢሙና፡ ካብቲ ደርቢ እቲ ኽንእለን ካልእ ግዜ ኽንምለስን ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን፡ ምስ ሓለውቲ ብዘየድሊ ምእንቲ ኸይንገታተር፡ ካብቲ ህንጻ እንተ ወጻእና ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ብዓል ቤት ኣብ መጻኢ ኸይንመጾ ብንጹር ዋላ እንተ ዘይሓበረና፡ ቍጽሪ ገዛኡ ጠቒስና ምብጻሕ ኪግበረሉ ኸም ዘይደሊ ኽንምዝግብን ነዚ ምስቲ ናይቲ ኽሊ ካርድ ከነቐምጦን ኣሎና። ከምቲ ምብጻሕ ኪግበረሎም ንዘይደልዩ ኻልኦት ሰባት ዚግበር፡ ንድሌት እቲ ብዓል ቤት ንምፍላጥ ሓሓሊፍካ ነቲ ሰብ ከተዘራርቦ ይከኣል እዩ።
14, 15. ነቲ ህንጻ ዚከናኸን ሰብ ክንወጽእ እንተ ነጊሩና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
14 ክትወጽእ እንተ ተነጊሩካ፦ ኣብ ሓደ ህንጻ እናኣገልገልካ ኸለኻ፡ ሓላው ጸጥታ፡ ሰራሕተኛ ጽገና፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ተወካሊ እቲ ኣፓርታማ ኻብቲ ህንጻ ኽትወጽእ እንተ ነጊሩካ፡ ብኡንብኡ ዝበለካ ኽትገብር ጥበባዊ እዩ። ብእተኻእለ መጠን፡ ክንገታተር ኣይንደልን ኢና፣ ከምኡ ምግባር፡ ናብ ፖሊስ ክስታትን ጥርዓናትን ከም ዚቐርብ እዩ ዚገብር። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ሰራሕተኛታት ኣፓርታማ ስርሖም ደኣ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ እምበር፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ የብሎምን።
15 ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ህንጻ ዚከናኸን ሰብ ክትወጽእ ኪነግረካ ኸሎ፡ መምጽኢኻ ብሕያውነትን ብሜላን ክትገልጸሉ ትኽእል ትኸውን። (1 ጴጥ. 3:15) ነቶም ነበርቲ ንምሕጓስን ንጸጥታ እቲ ህንጻ ኣብ ንምሕላውን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንቕበሎ ኢና። ምናልባት ኣብቲ ህንጻ ኽትጸንሕ ይፈቕደልካ ይኸውን። እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ብለውሃት ካብቲ ቦታ ርሓቕ። ኵነታት እንተ ፈቒዱ እሞ ኣብቲ ህንጻ መጸበዪ ኽፍሊ እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ ቦታ እቲ በብእዋኑ ጽሑፋት ክትሓድግ ትኽእል እንተ ዄንካ ፍቓድ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። (ቈሎ. 4:6) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ነቲ ሓላው ኣገልግሎት ኪሕበሮ ኣለዎ።
16. ኣብ ህንጻ ኣፓርታማ ኸነገልግል ክንፍትን ከለና፡ ቀጻሊ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
16 ምናልባት እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣስፋሕቲ ብጥበብ ኣብቲ ህንጻ ንምግልጋል ኪፍትኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ጸገማት እንተ ቐጺሉ፡ ኣስፋሕቲ ነቲ ጕዳይ ባዕሎም ኪፈትሕዎ ኣብ ክንዲ ዚውስኑ፡ ሽማግለታት ሓገዝ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዘራረቡ ኣለዎም። ኣስፋሕቲ ኣብ ገሊኡ ኣፓርታማታት ኬገልግሉ እንተ ዘይክኢሎም፡ ነቶም ነበርቲ ብተሌፎን፡ ብደብዳበ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ንምምስካር ጻዕርታት ኪግበር ኣለዎ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ሰባት ብሓፈሻ ናብ ስራሕ ዚወፍሩሉን ናብ ቤቶም ዚምለሱሉን ሰዓታት ንግሆን ኣጋ ምሸትን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ኣፓርታማ ናይ መገዲ ምስክርነት ይህቡ እዮም።
17. ኣብ ኣፓርታማ ምምስካር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
17 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቐሪቡ እዩ። እቶም ንስም የሆዋ ዚጽውዑ ጥራይ እዮም ዚድሕኑ። “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧” (ሮሜ 10:13, 14) “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፓርታማታት ይነብሩ እዮም። (ግብ. 13:48 NW) መስተውዓልትን መመዛዘንትን ብምዃን፡ ነቲ ብስራት ከነብጽሓሎም ንኽእል ኢና።