ንሓደስቲ ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ንኺጸንዑ ኣዳልዎም
1 ውልቀ-ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኺጅምሩን ‘ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ኺደልዩን’ ከለዉ፡ ሰይጣን ፈልዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ይገብሮም እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ምጽራር ካብ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ፡ ወይ ካብ ጐረባብቲ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣዝማድ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ንሓደስቲ ምስ ዚጻረርዎም፡ ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 10:21፣ ማር. 3:21
2 ምጽራር ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ፦ ሓደስቲ ዘበሉ መስጐጕቲ ኺጽበዩ ኸም ዘለዎምን ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ከም ዚዀኑ ዚሕብር ምዃኑን ኪርድኡ ኣለዎም። (ዮሃ. 15:20) ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ካልኦት ዚመጽእ ምጽራር፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰዓቢ የሱስ ብምዃንካን ንኣምላኽ ብምእዝዛካን ዚመጽእ ሕስረት፡ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣይትረስዕ። (ግብ. 5:27-29, 40, 41) ንሓደስቲ፡ የሆዋ ፍቕራዊ ደገፉ ኸም ዚህቦም ኣረጋግጸሎም። (መዝ. 27:10፣ ማር. 10:29, 30) ንጽህናኦም እንተ ሓልዮም፡ ኣብቲ ንልዑላውነት ዚምልከት ጕዳይ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ እዮም ዚቘሙ።—ምሳ. 27:11
3 ርጡብ ፍልጠት ዘለዎ ግደ፦ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ተመሃሮ፡ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ብቐጻሊ ርጡብ ፍልጠት ምቕሳም ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዚግንዘቡ ግበር። ሰይጣን ብምጽራር ኣቢሉ ነቲ እተማሃርዎ ትምህርቲ ኣብቲ ምሳልያዊ ልቦም ሱር ከይሰድድ ዕንቅፋት ኪኸውን እዩ ዚጽዕር። (ምሳ. 4:23፣ ሉቃ. 8:13) ምሉእ ብምሉእ ኣብ እምነት ምእንቲ ኺስረቱ፡ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ካብ ምቕሳም ኬቋርጹ የብሎምን።—መዝ. 1:2, 3፣ ቈሎ. 2:6, 7
4 ኣድላይነት ትዕግስቲ፦ ኣብ ዝዀነ ይኹን ፈታኒ ዅነታት፡ ትዕግስቲ ኣገዳሲት እያ፡ ጽቡቕ ፍረ እውን ከተፍሪ ትኽእል እያ። (ሉቃ. 21:16-19) ሓደስቲ ንምጽራር ጸኒዖም ምስ ዚዕገስዎ፡ ንርእሶምን ንኻልኦትን ይጠቕሙ። የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዚዕገሱ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ብተመክሮ ይርእይዎ።—ያእ. 1:12
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈሳዊ ዕቤት እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ተሓጒሱ እዩ። ብዛዕባኦም ንኣምላኽ ኣመስገኖ፡ ንመብዛሕትኦም እውን ናብ ሓቂ ኺመጹ ሓጊዝዎም እዩ። (2 ተሰ. 1:3-5) ንሕና እውን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተመሃሮ ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ንኺጸንዑ እንተ ኣዳሊናዮም፡ ተመሳሳሊ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።