ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ፦ መጽሔታት ከምኡውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ (T-26)፣ ሕዳር፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ታሕሳስ፦ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር፣ ጥሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ሕዳር ሓሙሽተ ቐዳመ ሰናብቲ ስለ ዘለዋ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ ሓበሬታ ንኣስተናባሪ ሓላውን ንሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን፦ ሓድሽ መደብ ኣኼባ፡ 29 ታሕሳስ 2008 ኣብ እትጅምር ሰሙን ኪጅምር እዩ፡ እተዓራረየ መደብ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2008 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺወጽእ እዩ። ነታ ሰሙን እቲኣ ዚኸውን ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክትመርሑ ኸለኹም፡ ነቲ ኣብ መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2009፡ ኣብ ትሕቲ ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዘሎ መምርሒታት ተጠንቂቕኩም ስዓቡ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ባህርይ ዘረባ ኣይኪህሉን እዩ
◼ ኣብ ጥሪ ነታ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክንመያየጠላ ኢና። ዜድልየኩም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ቪድዮ እዚኣ ንምርካብ ብጉባኤ ኣቢልኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ፦ ኣምሓርኛ፦ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ 2008-2፣ እንግሊዝኛ፦ ኣብ ዲቪዲ፦ ኣብነታዊ መጠንቀቕታ/ስልጣን ኣኽብሩ
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ፦ ትግርኛ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ እንግሊዝኛ፦ ኮንኮርዳንስ፣ ዲቪዲ፦ ማይ ላይፍ፣ ኦሮምኛ፦ ዓርኪ ኣምላኽ።