መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2009
መምርሒ
ኣብ 2009 ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪካየድ ከሎ እዚ ዚስዕብ መሰናድዎታት ኪህሉ እዩ።
እቲ ኽፍልታት ዚምስረተሉ ጽሑፍ፦ ናይ 1956 ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣትሒዙ ዝወጸ “ቃል የሆዋ ህያው እዩ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት፡ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር [lr]፡ ከምኡውን ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ [td] ኪኸውን እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጺ ኣብ ግዜኡ ጀሚሩ፡ በዚ ዚስዕብ ኪቕጽል ኣለዎ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ ዚቕጽል ክፍሊ ኼፋልጥ እዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት፦ 10 ደቒቕ። ኣብተን ናይ መጀመርያ ኣርባዕተ ደቒቕ፡ ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኻብቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነጥብታት የጕልሕ። እቲ ኣብታ ሰሙን ዚንበብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ መጀመርያ ምዕራፋት እታ መጽሓፍ እንተ ዀይኑ ግን፡ እቲ ሓው ካብቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነጥብታት ኣየጕልሕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነተን ናይ መጀመርያ ኣርባዕተ ደቒቕ ዚኸውን ሓሳብ፡ ካብቲ ኻብ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣትሒዙ ዝወጸ “ቃል የሆዋ ህያው እዩ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኪወስድ ኣለዎ። ንኣብነት፡ 5 ጥሪ ኣብ እትጅምር ሰሙን እተን ናይ መጀመርያ ሓሙሽተ ምዕራፋት ኦሪት ዘፍጥረት ኪንበባ እየን፣ ስለዚ እቲ ተዛራባይ ካብተን ኣብ ናይ 1ን 15ን ጥሪ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ “ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ሒደት ቀንዲ ነጥብታት ኪመርጽ ኣለዎ። ነቲ ኽፍሊ ድማ ነታ ጉባኤ ብዚጠቅም መገዲ ገይሩ የቕርቦ። ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ካብቲ “ቃል የሆዋ ህያው እዩ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዝረኸቦ ነጥብታት ኬጕልሕ ከሎ፡ እቲ ቐንዲ ዕላማኡ፡ ሰማዕቲ ነቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚጠቕሞም ምእንቲ ኺግንዘብዎ ንምሕጋዞም እዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ንመእተዊ እተመደበሉ ኣርባዕተ ደቒቕ ከየዛይድ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ኻብቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተረድእዎ ነገራት ሕጽር ዝበለ ናይ 30 ኻልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ሓሳባት ዚህቡሉ ሽዱሽተ ደቒቕ ኬትርፍ ኣለዎ። ድሕሪኡ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ክፍሊ ኬቕርቡ እተመደቡ ተመሃሮ ኪኸዱ ኸም ዚኽእሉ ይሕብሮም።
ክፍሊ ቍ. 1፦ 4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ። እዚ ብሓደ ሓው ዚቐርብ ንባብ እዩ። እቲ ተመሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ኬንብብ ኣለዎ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ ተመሃራይ ብዚርዳእ መገዲ፡ ሰጋእ ከይበለ፡ ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን እናኣጕልሐ፡ ድምጺ እናለዋወጠ፡ ብግቡእ እናዕረፈ፡ ከምኡውን ባህርያዊ ገይሩ ዜንብብ እንተ ዀይኑ ይርእዮ።
ክፍሊ ቍ. 2፦ 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዚወሃብ እዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተቕርብ ተመሃሪት መልክዕ ኣቀራርባ ኺምደበላ ወይ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 82 እታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መምሃሪት መጽሓፍ ዘሎ ኣቀራርባ መሪጻ ኸተቕርቦ ትኽእል እያ። ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ፡ ኣብቲ ኽሊ ኼጋጥምን ግብራዊ ኪኸውንን ብዚኽእል መገዲ ገይራ ድማ ተቕርቦ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ብምግባር ክትዳሎ ኣለዋ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ፡ እታ ተመሃሪት ብኸመይ ክፍላ ኸም ዘቕረበትን ነታ ብዓልቲ ቤት ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይራ ኣገዳሲ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዘረድኣታን ብፍላይ የተኵረሉ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
ክፍሊ ቍ. 3፦ 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ዚወሃብ እዩ። እቲ ተመሃራይ ኣብቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኽፍሊ የዳሉ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ብምግባር ኪዳሎ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ ንሓደ ሓው ኪወሃቦ ኸሎ፡ እቲ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከም መደረ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዚወሃብ ድማ፡ እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 2 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። እቲ ኰዀብ ዚመስል ምልክት ዘለዎ ኽፍልታት ብመደረ ምእንቲ ኬቕርብዎ ዅሉ ግዜ ንኣሕዋት ኪወሃብ ኣለዎ፣ እንተ ተኻኢሉ ድማ ንሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺወሃብ ኣለዎ።
ምኽሪ፦ 1-2 ደቒቕ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ እቲ ተማሃራይ ዚዓየሉ ባህርይ ዘረባ ኣቐዲሙ ብምልክታ ኣይኪነግርን እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ፡ ክፍሊ ቍ. 1፡ ቍ. 2፡ ቍ. 3 ምስ ቀረበ፡ ካብታ መምሃሪት መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ብምጥቃስን እቲ ኣቀራርባ እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብንጹር ብምጥቃስን ኣብቲ ዚነኣዱሉ መዳይ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ኺጠቅስ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ፡ ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ዜድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኺወሃቦ ይከኣል እዩ።
ግዜ፦ እቲ ዚቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ዚወሃብ ምኽሪ ኻብቲ እተመደበ ግዜ ኺሓልፍ የብሉን። ክፍሊ ቍ. 1፡ ቍ. 2፡ ቍ. 3 ዜቕርቡ ተመሃሮ ግዜኦም ምስ ኣኸለ ንኼቋርጹ ብሜላ ምልክት ኪግበረሎም ኣለዎ። እቶም ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ዜቕርቡ ኣሕዋት ግዜ እንተ ኣሕሊፎም፡ ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃቦም ኣለዎ። ኵላቶም ግዜኦም ኪሕልዉ ይግባእ። እዚ ኽፍልታት እዚ ብጠቕላላ 30 ደቒቕ ይወስድ።
ምኽሪ መውሃቢ ፎርም፦ እዚ ኣብታ መምሃሪት መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ኪርከብ ይከኣል እዩ።
ሓጋዚ መኻሪ፦ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ዚሕግዞ ኽኢላ መኻሪ ይመርጹ። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ሽማግለታት እንተ ኣልዮም፡ ኣብ ዓዓመት ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓዪ ሽማግለ ኪቕየር ይከኣል እዩ። ሓላፍነት እዚ ሓው እዚ ነቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ዜቕርቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ምሃብ እዩ። ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነዚ መደረታት ምስ ኣቕረቡ ዅሉ ሳዕ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን እዩ።
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦ 20 ደቒቕ። ኣብ ከክልተ ወርሒ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ድግማ ይመርሕ። ቀቅድሚኡ ግን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ይቐርብ። እቲ ድግማ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ፡ እንተላይ ኣብቲ በታ ሰሙን እቲኣ ዚውሰድ ትምህርቲ እተመርኰሰ ይኸውን። ጉባኤኹም ኣብታ ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እትግበረላ ሰሙን ኣኼባ ወረዳ ወይ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ እንተ ኣልይዋ፡ እቲ ድግማ ናብታ እትቕጽል ሰሙን ኪሰጋገር ኣለዎ፡ ኣብ እትስዕብ ሰሙን ኪቐርብ ዝነበሮ ኽፍሊ ቍ. 1፡ ቍ. 2፡ ቍ. 3 ኸኣ ኪቐርብ ኣለዎ። ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዚወሃብ መደብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ለውጥታት ኪግበር የብሉን።
መደብ
5 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 1-5
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 3:1-15
ቍ. 2፦ የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ምኽንያት (lr ምዕ. 1)
ቍ. 3፦ ከንቱ ዘይኰነ እንታይ እዩ፧ (1 ቈረ. 15:58)
12 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 6-10
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 9:1-17
ቍ. 2፦ td 11ሀ ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርኤን እዩ
ቍ. 3፦ ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ (lr ምዕ. 2)
19 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 11-16
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 14:1-16
ቍ. 2፦ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ (lr ምዕ. 3)
ቍ. 3፦ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚቐርጸና፧ (ኢሳ. 64:8)
26 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 17-20
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 17:1-17
ቍ. 2፦ td 11ለ በቲ ጭቡጥ ኵነታት ይፍለጥ
ቍ. 3፦ ኣምላኽ ስም ኣለዎ (lr ምዕ. 4)
2 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 21-24
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 22:1-18
ቍ. 2፦ “ወደይ እዚ እዩ” (lr ምዕ. 5)
ቍ. 3፦ ንኻልኦት ፍቕርና ኸነግፍሓሉ እንኽእል መገድታት (2 ቈረ. 6:11-13)
9 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 25-28
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 25:1-18
ቍ. 2፦ እቲ ዓብዪ መምህር ንሰባት ኣገልገለ (lr ምዕ. 6)
ቍ. 3፦ td 12ሀ ኵሎም ክርስትያናት ብስራት ኪሰብኩ ኣለዎም
16 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 29-31
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 29:1-20
ቍ. 2፦ ‘ክንጭነቕ ዘይብልና’ ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴ. 6:25)
ቍ. 3፦ ተኣዛዝነት የዕቝበካ (lr ምዕ. 7)
23 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 32-35
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
2 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 36-39
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 39:1-16
ቍ. 2፦ ካባና ንላዕሊ ኣለዉ (lr ምዕ. 8)
ቍ. 3፦ td 12ለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ከየቋረጽካ ምምስካርን የድሊ
9 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 40-42
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 40:1-15
ቍ. 2፦ ንፈተናታት ክንቃወሞ የድልየና (lr ምዕ. 9)
ቍ. 3፦ ካብ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ተጠንቀቕ!
16 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 43-46
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 44:1-17
ቍ. 2፦ የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን (lr ምዕ. 10)
ቍ. 3፦ td 12ሐ ካብ ደም ካልኦት ናጻ ንምዃን ምምስካር ኣድላዪ እዩ
23 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 47-50
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 48:1-16
ቍ. 2፦ ንድያብሎስ ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧
ቍ. 3፦ ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ (lr ምዕ. 11)
30 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 1-6
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 1:1-19
ቍ. 2፦ የሱስ ጸሎት ምሂሩና (lr ምዕ. 12)
ቍ. 3፦ td 13ሀ ምስሊ ዀነ ሓወልቲ ንኣምልኾ ምጥቃም፡ ንኣምላኽ ውርደት እዩ
6 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 7-10
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 9:1-19
ቍ. 2፦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ (lr ምዕ. 13)
ቍ. 3፦ ንገላትያ 6:2 ምስ ገላትያ 6:5 ብኸመይ ከነሰማምዓ ንኽእል፧
13 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 11-14
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 12:21-36
ቍ. 2፦ ይቕረ ኽንብል ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (lr ምዕ. 14)
ቍ. 3፦ td 13ለ ምስልታት ምምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ጥፍኣት ኣስዓበሎም
20 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 15-18
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 15:1-19
ቍ. 2፦ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምርሓቕ እንታይ የጠቓልል፧
ቍ. 3፦ ንሕያውነት ዚምልከት ትምህርቲ (lr ምዕ. 15)
27 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 19-22
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
4 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 23-26
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 24:1-18
ቍ. 2፦ እቲ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ እዩ፧ (lr ምዕ. 16)
ቍ. 3፦ td 13ሐ “ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበና ጥራይ እዩ” ኢልካ ዚግበር ኣምልኾ ኣይፍቀድን
11 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 27-29
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 29:1-18
ቍ. 2፦ ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ (lr ምዕ. 17)
ቍ. 3፦ ዘይግቡእ ተኣማንነትን ሓደጋታቱን
18 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 30-33
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 31:1-18
ቍ. 2፦ td 14ሀ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን
ቍ. 3፦ ተመስግን ዲኻ፧ (lr ምዕ. 18)
25 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 34-37
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 37:1-24
ቍ. 2፦ ምብኣስ ግቡእ ድዩ፧ (lr ምዕ. 19)
ቍ. 3፦ ሸለል በሃሊ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ ከነርሕቖ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧
1 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 38-40
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 40:1-19
ቍ. 2፦ ኵሉ ሳዕ ቀዳማይ ክትከውን ዲኻ እትደሊ፧ (lr ምዕ. 20)
ቍ. 3፦ td 14ለ “ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ጽቡቕ ኣሎ” ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን
8 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 1-5
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 4:1-15
ቍ. 2፦ ምጅሃር ግቡእ ድዩ፧ (lr ምዕ. 21)
ቍ. 3፦ ክርስትያናት ንስልጣኖም ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዘለዎም፧
15 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 6-9
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 8:1-17
ቍ. 2፦ td 15ሀ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ
ቍ. 3፦ ክንሕሱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (lr ምዕ. 22)
22 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 10-13
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 11:29-45
ቍ. 2፦ ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሓሙ፧ (lr ምዕ. 23)
ቍ. 3፦ እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ዚረኽብዎ በረኸት
29 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 14-16
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
6 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 17-20
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 19:1-18
ቍ. 2፦ td 15ለ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ
ቍ. 3፦ ፈጺምካ ኣይትስረቕ! (lr ምዕ. 24)
13 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 21-24
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 22:17-33
ቍ. 3፦ እቶም ክፉእ ዚገብሩ ኪቕየሩ ይኽእሉ ድዮም፧ (lr ምዕ. 25)
ቍ. 3፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንድኻታት ብኸመይ ሓልዮት ከም ዜርእዩ
20 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 25-27
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 25:39-54
ቍ. 2፦ ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት (lr ምዕ. 26)
ቍ. 3፦ td 16ሀ ክርስትያናት ምጽራር ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
27 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 1-3
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 3:1-20
ቍ. 2፦ ህድኣት፡ ርእስኻ ምግታእ እትሓትት ስለምንታይ እያ፧
ቍ. 3፦ ኣምላኽካ መን እዩ፧ (lr ምዕ. 27)
3 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 4-6
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 4:1-16
ቍ. 2፦ ንመን ክንእዘዝ ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (lr ምዕ. 28)
ቍ. 3፦ td 16ለ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኻብ ኣምላኽ ኪፈልያ ኸተፍቅደሉ የብላን
10 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 7-9
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 9:1-14
ቍ. 2፦ ድግስ ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧ (lr ምዕ. 29)
ቍ. 3፦ ንየሆዋ እሙናት እንዀነሉ መገድታት
17 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 10-13
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 13:17-33
ቍ. 2፦ ፍርሂ ንምስናፍ ዚሕግዘና ነገራት (lr ምዕ. 30)
ቍ. 3፦ td 16ሐ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ክትክልክሎ ኼፍቅደላ የብሉን
24 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 14-16
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 14:26-43
ቍ. 2፦ ንሕጊ ኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧ (መዝ. 119:97)
ቍ. 3፦ ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ (lr ምዕ. 31)
31 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 17-21
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
7 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 22-25
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 22:20-35
ቍ. 2፦ የሱስ ብኸመይ እዩ ዕቝባ ረኺቡ፧ (lr ምዕ. 32)
ቍ. 3፦ td 17ሀ መንፈሳዊ ምፍዋስ ነባሪ ጥቕምታት ኣለዎ
14 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 26-29
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 27:1-14
ቍ. 2፦ ምዕዶ እንታይ እዩ፧ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ኤፌ. 6:4)
ቍ. 3፦ የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ (lr ምዕ. 33)
21 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 30-32
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 32:1-15
ቍ. 2፦ እንተ ሞይትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (lr ምዕ. 34)
ቍ. 3፦ td 17ለ መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪ ኣካላዊ ምሕዋይ ከተምጽእ እያ
28 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 33-36
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 33:1-23
ቍ. 2፦ ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና! (lr ምዕ. 35)
ቍ. 3፦ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኵለን ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጸሉ መገድታት
5 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 1-3
ቍ. 1፦ ዘዳግም 2:1-15
ቍ. 2፦ td 17ሐ ዘመናዊ ናይ እምነት ምፍዋስ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን
ቍ. 3፦ መን እዮም ዚትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧ (lr ምዕ. 36)
12 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 4-6
ቍ. 1፦ ዘዳግም 4:15-28
ቍ. 2፦ ንየሆዋን ንወዱን ንዘክሮም (lr ምዕ. 37)
ቍ. 3፦ ሒደት ይሓይሽ ኪበሃል ዚከኣል መዓስ እዩ፧ (ምሳ. 15:16)
19 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 7-10
ቍ. 1፦ ዘዳግም 9:1-14
ቍ. 2፦ ንየሱስ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (lr ምዕ. 38)
ቍ. 3፦ td 17መ ብቛንቋታት ምዝራብ ግዝያዊ ምድላው ነበረ
26 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 11-13
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
2 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 14-18
ቍ. 1፦ ዘዳግም 15:1-15
ቍ. 2፦ ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ የጠቓልል፧
ቍ. 3፦ ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ (lr ምዕ. 39)
9 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 19-22
ቍ. 1፦ ዘዳግም 22:1-19
ቍ. 2፦ ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እነሐጕሶ፧ (lr ምዕ. 40)
ቍ. 3፦ td 18ሀ ጠንቂ ሞት
16 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 23-27
ቍ. 1፦ ዘዳግም 25:1-16
ቍ. 2፦ ንየሆዋ ዜሐጕሱ ቘልዑ (lr ምዕ. 41)
ቍ. 3፦ ቅዱስ ጌርካ ኪርአ ዘለዎ ነገራት እንታይ እዩ፧
23 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 28-31
ቍ. 1፦ ዘዳግም 30:1-14
ቍ. 2፦ ክንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (lr ምዕ. 42)
ቍ. 3፦ td 18ለ ኵነታት ምዉታት
30 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 32-34
ቍ. 1፦ ዘዳግም 32:1-21
ቍ. 2፦ “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” እንታይ እያ፧ (ጸፎ. 1:14)
ቍ. 3፦ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መን እዮም፧ (lr ምዕ. 43)
7 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 1-5
ቍ. 1፦ እያሱ 5:1-15
ቍ. 2፦ ኣዕሩኽና ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኪዀኑ ኣለዎም (lr ምዕ. 44)
ቍ. 3፦ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ከም እንደልያኸ ብኸመይ ነርኢ፧ (lr ምዕ. 45)
14 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 6-8
ቍ. 1፦ እያሱ 8:1-17
ቍ. 2፦ ዓለም ብማይ ጠፍአት—ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧ (lr ምዕ. 46)
ቍ. 3፦ እቲ ኣብ መክብብ 7:21, 22 ዘሎ ምኽሪ ግብራዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
21 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 9-11
ቍ. 1፦ እያሱ 9:1-15
ቍ. 2፦ ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (lr ምዕ. 47)
ቍ. 3፦ ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ (lr ምዕ. 48)
28 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 12-15
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት