ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ጥቅምቲ 2008 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 1 መስከረም ክሳዕ 27 ጥቅምቲ 2008 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. ሰባት ንገሊኡ ነገራት ስለምንታይ ከም ዚኣምንሉ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ [be ገጽ 259 ሕ.ጽ. 1, 2]
2. ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ንኸይፈርድ ወይ ኣብ ልቡ ጽልኢ ንኸየሕድር ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ [be ገጽ 260 ሕ.ጽ. 2]
3. ተመሃሮና ብመንፈሳዊ መዳይ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺዓብዩ፡ ርእሶም ንኺምርምሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ [be ገጽ 261 ሕ.ጽ. 2]
4. ልቢ ሰማዕትና ንምትንካፍ ክንጽዕር ከለና ኽንርስዖ ዘይብልና እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 262 ሕ.ጽ. 3]
5. ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ግዜ ምሕላው ከነተኵረሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 263 ሕ.ጽ. 1, 3, ሳጹን]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ንኺጽሕፈሎም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ [bsi08-1 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 3]
7. ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ካልአይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፈሎም ዝደረኾ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ [bsi08-1 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 1-2]
8. ክርስትያናት ንኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧ [bsi08-1 ገጽ 22-23 ሕ.ጽ. 18]
9. ከምቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ሎሚ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብን ንኣሕዋትና ንሓጐስ ክንኰኖምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [bsi08-1 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 12]
10. ጳውሎስን መገላግልቱን ኣብታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ኣወንታዊ ጽልዋ ነበሮም፧ [bsi08-2 ገጽ 4 ሕ.ጽ. 13]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. “[“እቲ መንፈስ፡” NW] በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ [እቲ እኩይ ሰብኣይ] ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (1 ቈረ. 5:5) [w08 15/7 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
12. ሞት የሱስ ኣብ ከክንደይ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧ “ክሳዕ” መዓስከ፧ (1 ቈረ. 11:26) [w08 15/7 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
13. ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2-4 እንታይ ራእይ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ መንከ እዩ ነዚ ራእይ እዚ ርእይዎ ኪኸውን ዚኽእል፧ [w04 15/10 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 4፣ ገጽ 10 ሕ.ጽ. 9]
14. ጳውሎስ ንሕጊ ሙሴ ‘ናብ ክርስቶስ ምስ ዜብጽሕ ሓላዊ’ ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ገላ. 3:24 ትርጕም 1990) [w08 1/3 ገጽ 18-21]
15. ጳውሎስ፡ “መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን . . . ይተሐሎ” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ተሰ. 5:23) [w08 15/9 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ተሰሎንቄን ናብ ጢሞቴዎስን ዚጐልሕ ነጥብታት”]