ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 30 ሰነ 2008 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 5 ግንቦት ክሳዕ 30 ሰነ 2008 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. እቲ እንጥቀመሉ ምሳሌታት ርዱእ ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ [be ገጽ 242 ሕ.ጽ. 3–ገጽ 243 ሕ.ጽ. 1]
2. ካብ ፍሉጥ ኵነታት እተወስደ ቐሊል ምሳሌታት: ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 245 ሕ.ጽ. 2-4]
3. ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቒምካ ምምሃር ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ የሆዋኸ ኣገዳሲ ትምህርትታት ንምምሃር ብኸመይ ተጠቕመሉ፧ (ዘፍ. 15:5፣ ኤር. 18:6፣ ዮና. 4:10, 11) [be ገጽ 247 ሕ.ጽ. 1-2]
4. ኣመሃህራና ንምምሕያሽ: ዚርአ ነገራት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ [be ገጽ 248 ሕ.ጽ. 1-3]
5. ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከለና: ንካርታታት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ [be ገጽ 248 ሕ.ጽ. 4]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ኣብቲ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል፧ [be ገጽ 32 ሕ.ጽ. 3-4]
7. ትርጕም ሓደ ጥቕሲ ኽትፈልጥ ኢልካ ምርምር ንምግባር ንመጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [be ገጽ 34 ሕ.ጽ. 4–ገጽ 35 ሕ.ጽ. 2]
8. እቲ የሱስ ከም በረኸት ኣምላኽ ናብ ደቅሰብ ዚውሕዘሉ መትረብ ዘለዎ ግደ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ብኸመይ ጐሊሑ ንረኽቦ፧ [bsi08-1 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 32]
9. እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት ከም ዝጸሓፋ ዚሕብር እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ኣሎ፧ [bsi08-1 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 3፣ ገጽ 15 ሕ.ጽ. 5-7]
10. ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ሓደ ሰብ ብኸመይ ኣስተዋጽኦ ኼዳሉ ይኽእል፧ [be ገጽ 39-41]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ኣየነይቲ ቤተ መቕደስ እያ “በርብዓን ሹድሽተን ዓመት” እተሃንጸት፧ (ዮሃ. 2:20) [w08 15/4 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
12. እቶም ‘ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚሳገሩ’ መን እዮም፧ (ዮሃ. 5:24, 25) [w08 15/4 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
13. የሱስ ንማርያም መግደላዊት ከይትትንክዮ እተዛረባ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃ. 20:17) [w08 15/4 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
14. የሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ “ኸምኡ ገይሩ” ኺመጽእ እዩ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ግብ. 1:9-11) [rs ገጽ 342 ሕ.ጽ. 4 እንግሊዝኛ፣ it-1 ገጽ 186 ሕ.ጽ. 8 እንግሊዝኛ]