ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ሕዳር ገጽ 8
  • ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ተሓባቢርካ ምምስካር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ተሓባቢርካ ምምስካር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብዓል ቤት ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ምስ ዚኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ መስክረሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ሕዳር ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ተሓባቢርካ ምምስካር

መጻምድቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቛንቋኦም ዘይኰነ ቛንቋ ምስ ዚዛረቡ ሓደ ኣቦን ወድን ይራኸቡ

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተወልዱሉ ቛንቛ ኺሰምዕዎ ኸለዉ ጽቡቕ ምላሽ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ የሆዋ ብጰንጠቈስጠ ናይ 33 ድ.ክ.፡ ነቶም ከም እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ቛንቋ ዚዛረቡ ዝነበሩ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣይሁድ” ነቲ ብስራት ‘በቲ እተወልዱሉ ቛንቋ’ ኺሰምዕዎ ዝገበረ። (ግብ 2:5, 8) ሎሚ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢታት ዚርከባ እሞ ኣኼባታተን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዘካይዳ ጉባኤታት፡ ኣብ ሓደ ኸባቢ ይሰብካ ይዀና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉባኤታት ዚርከቡ ኣስፋሕቲ፡ ደጋጊምም ብምኻድ ንሰብ ቤት ከየሕረቑ፡ ነቲ ብስራት ንዅሉ ኼብጽሑ ኺተሓባበሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ሞባይል ተሌፎን

    ተማኸር (ምሳ 15:22)፦ ሓለውቲ ኣገልግሎት ነቲ ብስራት ንምስፋሕ፡ ተማኺሮም ብሓባር ብምዕያይ፡ ኵሎም ዚሰማምዑሉ ኣሰራርሓ ኼዳልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካልእ ቋንቋ ተመዲበን ዚሰብካ ጉባኤታት፡ ክለን እተወሰነ እንተ ዀይኑ ነተን ነቲ እተመደበለን ቋንቋ ዚዛረባ ኣባይቲ፡ ሰጊርካ ኽትሓልፍ ይደልያኻ ይዀና። ይኹን እምበር፡ ክለን ኣብ ሰፊሕ ቦታ እተበታተነ ብምዃኑ ንኽለን ብስሩዕ ኪሽፍናኦ ዘይክእላ እንተ ዀይነን፡ ነቲ ኣባይቲ ኣብ ክንዲ እትሰግሮ፡ ኣብ ክለን ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ክትሕብረን ኪመርጻ ይኽእላ እየን። (od 93 ¶37) ወይ ድማ ጉባኤኹም ነቶም ኣብ ክልኹም ዚርከቡ ነቲ ጉባኤኦም እተመደበሉ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ምድላይ ክትሕግዞም ክትሓትት ትኽእል እያ፣ ብዘይካዚ፡ ኣድራሻ እቶም እተረኽቡ ሰባት ናብ ጉባኤኦም ክትልእከሎም ክትሓትት ትኽእል እያ። (km 7/12 5፡ ሳጹን) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ሓደ ንላዕሊ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኪርከቡ ኸም ዚኽእሉ ኽትርስዕ የብልካን። ክሊ ንምሽፋን መሰናድዎ ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ብዚምልከት ምስ ሕጊ ብዚሰማማዕ መገዲ ኺግበር ኣለዎ።

  • ኣብ ሓደ ኽሊ ዚርከብ ኣባይቲ

    ተሓባበር (ኤፌ 4:16)፦ ሓላው ኣገልግሎት ንዚህበካ ዝዀነ ይኹን መምርሒ ተጠንቒቕካ ስዓቦ። ንሓደ ቛንቋ ጉባኤኻ ዘይዛረብ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሉ ኣለኻ ዲኻ፧ ነቲ ተምሃራይ ኣብ ከባቢኡ ናብ ዘላ ብቛንቋኡ እትምራሕ ጉባኤ ወይ ጕጅለ እንተ ኣመሓላሊፍካዮ ቕልጡፍ ዕቤት ኪገብር ይኽእል እዩ።

  • ቋንቋ ዚመርጽ

    ተዳሎ (ምሳ 15:28፣ 16:1)፦ ኣብ ክልኻ ዝረኸብካዮ ሰብ ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ብስራት ምእንቲ ኸተካፍሎ ዝከኣለካ ዘበለ ግበር። ኣብ ክልኻ ዚርከቡ ሰባት እንታይ ዓይነት ቋንቋ ኸም ዚዛረቡ ብምግማት ኣቐዲምካ ኽትዳሎ ትኽእል ኢኻ፣ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ቪድዮታትን ኣብ ሞባይልካ ብምውራድ እውን ተዳሊኻ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ንJW Language ኣፕሊኬሽን ተጠቒምካ፡ ብኸመይ ሰላምታ ኸም እትለዋወጥ እተወሰነ ቛንቋታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ