ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት፣ መስከረም:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ነሓሰ ሓሙሽተ ቐዳመ ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ዝመዘዞ ሓው: ናይ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ሕሳብ እታ ጉባኤ ኺምርምሮ ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።—መምርሒታት ሕሳብ ጉባኤ (S-27) ርአ።
◼ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ዚቐርብ መመልከቲ ፎርም እንተ ወሓደ 30 መዓልቲ ቕድሚ እቲ ኺጅምረሉ ዚሕተት ዘሎ ዕለት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪለኣኽ ኣለዎ። እቲ ጸሓፊ ጉባኤ: እቲ ፎርም ብግቡእ ከም እተመልአ ንምርግጋጽ ኪርእዮ ኣለዎ። እቶም ኣመልከትቲ እተጠመቕሉ ዕለት ብልክዕ ኪዝክርዎ እንተ ደኣ ዘይክኢሎም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኺመልኡ: ነታ ዕለት ድማ ኪምዝግብዋ ኣለዎም። እቲ ጸሓፊ ነታ ዕለት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ (S-21) ኬስፍራ ኣለዎ።
◼ ካብ ጥሪ 2008 ጀሚሩ ኣውድዮ ፋይላት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ኣብ www.jw.org ዚብል ዌብ ሳይት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብዙሓት: ነዚ ፋይላት እዚ ብCD ወይ ብMP3 ዲስክታት ናብ ጉባኤታቶም ቅድሚ ምምጻኡ ኻብዚ ዌብ ሳይት እዚ ኼራግፍዎ ይመርጹ። ካብ ዌብ ሳይት ኪራገፍ ከሎ: ውድብና ይኸፍለሉ እዩ። ይኹን እምበር: ብኸምዚ ኣገባብ ምዝርጋሕ ካብ ዲስክታት ኣፍሪኻ ምልኣኹ ይሓስር። ስለዚ: እቶም ካብዚ ዌብ ሳይት እዚ መጽሔታት ዜራግፉ ኣስፋሕቲ ነቲ ኣገልጋሊ ጽሑፋት ዝኣዘዝዎ ናይ CD ወይ MP3 ትእዛዝ ኪስርዝዎ ነተባብዖም። ብኻልእ ቋንቋታት ዚወጽእ ናይ ኣውድዮ መደባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ www.jw.org ኪርከብ ይከኣል እዩ።