ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/08 ገጽ 3
  • ቲኦክራስያዊ ዜና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቲኦክራስያዊ ዜና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 5/08 ገጽ 3

ቲኦክራስያዊ ዜና

◼“ከምዚ ዓይነት ስብከት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።” “ኣብ ሃገርና ኸምዚ ዓይነት ክሊ ምህላዉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።” “ኵሉ ሰብ እዩ ተቐቢሉና። ዘይተጸበናዮ እዩ ነይሩ።” “ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከምተን ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ: ሓገዝ ኪረኽቡ ሃረር ዚብሉ ምዃኖም ብቐሊሉ ኢኻ እትፈልጥ።” “ብዙሕ ክንዛረብ ስለ ዝወዓልና: ምስ መሰየ ኣዚና ደኸምና፣ ብውሽጥና ግን ባህ በለና።” “ኣዝዩ ዝኸበደና: ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ክንሰናበቶም ከለና እዩ።” “ኣብ ጐድኒ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ምስራሕና ኣብ ልዕሊ እቲ ስብከት ተወሳኺ ሓጐስ ኣምጸኣልና።” “ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን ዓሰርተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ።” “ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ ኣለዉ!” እዚ ሓሳባት እዚ: እቶም ኣብቲ “መቄዶንያ” ዚበሃል ንመጀመርታ እዋን ዝገበርናዮ ፍሉይ ወፈራ ስብከት እተኻፈሉ ብዙሓት ሰባት ዝበልዎ እዩ፣ እቲ ዕዮ: ዓየይቲ ኣብ ዚድለይሉ ቦታ ኼድካ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረ እዩ ነይሩ።—ግብ. 16:9, 10

ኵሎም እቶም ዳርጋ ኣርብዓ ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ምብራቕ ኣውስትራልያ ኣትሒዝካ ኽሳዕ ምዕራባዊ ሰሜን ኣመሪካ ኻብ ዘለዋ ሃገራት: ብዙሕ ወጻኢታት ከፊሎም እዮም መጺኦም። ካብተን ክልታተን ብተደጋጋሚ እተሸፈነ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታትና ዚርከባ ጉባኤታት ዝመጹ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ምስኣቶም ሓቢሮም ኣገልጊሎም እዮም። ኵሎም ወጻኢታቶም ብምሽፋን: ካብ ስራሖም ፍቓድ ብምውሳድ: ከምኡውን ንዘይጥጡሕ ኵነታት ብምጽዋር መስዋእቲ ኪኸፍሉ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ፍሉያት ፈለምትን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣስፋሕትን ነቶም በጻሕቲ ስለ ዝሓገዝዎም: ኣብ ሓያሎ ንኣሽቱ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዚርከብ ክልታት ተሸፊኑ እዩ። ገለ ኻብዚ ኽልታት እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ተሸፊኑ። እዞም ኣስፋሕቲ እዚኣቶም: ቅድሚኡ መጽናዕቲ ዚገብሩ ዝነበሩ: እንደገና ኣጋጣሚ ብምርካቦም ከኣ እተሓጐሱ ውልቀ-ሰባት ረኺቦም እዮም። ገሊኦም ሰባት: ንመጀመርታ ግዜኦም ሓቂ ብምስማዖም ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ: መዓልቲ መዓልቲ የጽንዑ ነበሩ።

እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ከምቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 9:36-38 ዝበሎ እቲ እኽሊ ብሓቂ ብዙሕ እዩ። እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት: ሓገዝ የድልዮም እዩ፣ ንስኻ እውን ሓደ ኻብቶም ነዚ ሓገዝ እዚ ዚህቡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ፍሉያት ፈለምቲ ኣብ ውሱን ቦታታት ጥራይ እዮም ኪለኣኹ ዚኽእሉ። ኣብ ሓያሎ ቦታታት: ልክዕ ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ድንኳን እናሰፈዩ ዚዓዩ ዝነበሩ: ርእሶም ብምኽኣል ኪሕግዙ ዚኽእሉ ዓየይቲ ይድለዩ ኣለዉ። (ግብ. 18:2, 3) ነዚ ሰፊሕ ክልናን ነቶም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባትን ብጸሎትኩም ክትዝክርዎም ነተባብዓኩም። ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 111 ዚርከብ “ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ምግልጋል” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርኣዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኽትፍጽሙ እትኽእሉሉ መገድታት ኣሎዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ