ሕቶ ሳጹን
◼ ተኣከብቲ: ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎትን ዚቐርብ ክፍሊ ኼጣቕዑ ግቡእ ድዩ፧
እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ንምድሪ ምስ ፈጠራ: ‘ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኣመስገኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ድማ እልል በሉ።’ (እዮ. 38:7) እዞም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ንየሆዋ ስለቲ ሓድሽ መርኣያ ጥበቡን ሰናዩን ሓይሉን ዝዀነ ዜገርም ፍጥረቱ ወደስዎ።
ንሕና እውን ንኣሕዋትና ስለቲ ዝገበርዎ ጻዕርን ዜቕረብዎ ኽፍልን ልባዊ ሞሳና ኽንገልጽ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት: ኣብ እዋን ዓብዪ ኣኼባታት ንዚቐርብ መደረታትን መርኣያታትን ነጣቕዕ ኢና። ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ክፍልታት ንምድላው ዝያዳ ግዜን ጻዕርን እዩ ዚሓትት። ኣብቲ እዋን እቲ ምጥቓዕና ነቲ እቶም ዜቕረብዎ ኣሕዋት ዝገበርዎ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ ንየሆዋን ነቲ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዘዳለወልና ትምህርቲ ዘሎና ሞሳ እውን ዜርኢ እዩ።—ኢሳ. 48:17፣ ማቴ. 24:45-47
ደድሕሪ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎትን ዚቐርብ ክፍልታት ምጥቓዕከ፧ ብጣቕዒት ጌርና ልባዊ ሞሳና ኸይንገልጽ ዚኽልክል ሕጊ የለን፣ ንኣብነት: ሓደ ተመሃራይ ናይ ፈለማ ኽፍሉ ምስ ኣቕረበ ኸነጣቕዕ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ጣቕዒት ብቐሊሉ ልምዲ ኪኸውንን ትርጕሙ ኼጥፍእን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣይነጣቕዕን ኢና።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎትን ንዚቐርብ መብዛሕትኡ ኽፍልታት ዘይነጣቕዕ እኳ እንተ ዀንና: ነቲ ዝቐረበ ትምህርትን ንዕኡ ንምቕራብ ንዝጸዓሩን ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ካልእ መገድታት ግን ኣሎ። እቲ ኽፍሊ ኪቐርብ ከሎ ንቑሓት ብምዃንን ነቲ ተዛራባይ ጽን ኢልና ብምስማዕን ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ድማ: ብብሕትና ስለቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኸነመስግኖም ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 1:15, 16