‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ተዳሎ’
1 የሱስ ሓድሽ ወፈራ ስብከት ምስ ጀመረ: ንደቀ መዛሙርቱ ግዜ ወሲዱ ኣዳለዎም። (ማቴ. 10:5-14) ኵልና ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና: ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ቅድሚ ምክፋልና ሒደት ደቓይቕ ወሲድና ምስ እንዳሎ ጽቡቕ ውጽኢት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 9:6
2 ብኸመይ ከም እትዳሎ:- ጽቡቕ ምድላው: ንትሕዝቶ እቲ ኽትዕድሎ መዲብካ ዘለኻ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ብምፍላጥ እዩ ዚጅምር። ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት እውን ክንሓስብ ኣሎና። ዜተሓሳስቦም ጕዳይ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ሃይማኖታዊ እምነታት እንታይ እዩ፧ ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ኣቀራርባ ወይ ነታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ክንውከስ ንኽእል ኢና።
3 ነቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ መርኣያታት ተጠንቂቕካ ምስማዕ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣቀራርባና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናለመድናዮ ምስ ከድና: ንምድላው ብዙሕ ግዜ ኣይከድልየናን እዩ። ይኹን እምበር: ንኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድና: ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ እንብሎ እንተ ሓሲብናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንተ ኣመሓይሽናዮን ዝያዳ ውጽኢትውያን ክንከውን ኢና። እቲ ዜድልየና ዅሉ ጽሑፋት ኣብ ቦርሳና ኸም ዝሓዝና ድማ ከነረጋግጽ ኣሎና።
4 ኣቀራርባና ንኸይንርስዖ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ዓው ኢልካ ምልምማድ እቲ ኽንብሎ ዝደለና ኣብ ኣእምሮና ንምቕራጽ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓደ መገዲ እዩ። ገሊኦም ኣብ እዋን መጽናዕቲ ስድራ ቤቶም ልምምድ ዚገብሩሉ መደብ ኣለዎም። ካልኦት ድማ ሕጽር ዝበለ ጽማቝ ትሕዝቶ እቲ ኣቀራርባ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ብምጽሓፍ ኣብታ ቤት ቅድሚ ምብጻሖም ምርኣዩ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦሞ እዮም።
5 ጠቓሚ ዝዀነሉ ምኽንያት:- ብጽቡቕ ምድላው ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ውጽኢትን ሓጐስን ይውስኸሉ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ፍዅስ ንኺብለናን ብዙሕ ንኸይንጭነቕን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ እንብሎ ነገር ጥራይ ኣብ ክንዲ እንሓስብ: ብዝያዳ ኣብቲ ብዓል ቤት ከነተኵር ኢና። ብተወሳኺ: ነቲ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ምፍላጡ: ብውዕዉዕ ስምዒት ንኽንዕድሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።
6 ቅዱሳት ጽሑፋት: ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለና’ ኽንከውን ይምሕጸነና። (ቲቶ. 3:1) ብስራት ካብ ምስባኽ ዚበልጽ ዕዮ እሞ እንታይ ኪህሉ ይኽእል፧ እተዳለና ብምዃን ነቲ ኺሰምዓና ፍቓደኛ ዝዀነ ብዓል ቤትን ነቲ ወኪልናዮ ዘለና ኣምላኽና የሆዋን ዘሎና ኣኽብሮት ነርኢ።—ኢሳ. 43:10