መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና! ኣብ ናይ 15 ሰነ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣቐዲምካ ዘዳለኻዮም ሰማዕቲ ንፈተና ኺዋጽእሉ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኬዘንትዉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ኣብቲ ዕረፍቲ እትዀነሉ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኸተማልኦ ዘለካ ብቕዓታት ዚገልጽ ኣብ ገጽ 112-13 እታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ሓሳባት ኣቕርብ። እቶም ናይ ስራሕ ዕረፍቶም ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ዘሕለፍዎ ኣሕዋት ዝረኸብዎ በረኸት ኬዘንትዉ ዓድሞም። ነቶም ናይ ትምህርቲ ዕረፍቶም ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ዘሕለፍዎ: ካልኦት ብኸመይ ከም ዘተባበዕዎምን ዝሓገዝዎምን ሕተቶም። ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን ብመንፈስ ንኺዓብዩ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ እንታይ ዜሐጕስ ነገራት ረኺቦም፧ ንዅሎም እቶም ብቑዓት ዝዀኑ: ኣብቲ ዕረፍቲ ዝዀኑሉ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን ኪሓስቡሉ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 17 (187)
19 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ሕቶ ሳጹን ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ሃብታም ክትከውን ትኽእል ኢኻ!” ብዛዕባ እቲ ኣብ ገጽ 113-14 እታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ: ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓታት ሓሳባት ሃብ። እቶም ካብ 1 መስከረም ኣትሒዞም ፈለምቲ ኪዀኑ ዚደልዩ: ብእተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ መሕተት ቅጥዒ ኺመልእዎ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 29 (222)
26 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- “ኣርዑተይ ጹሩ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ኣብ ሰነ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣበርክት። መደረን መርኣያታትን። ገለ ኻብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ኣታው ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ደጊምካ ኣቕርብ። ነታ መጽሓፍ ብኸመይ ከነበርክታ ኸም እንኽእል ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምሮም ዚብል ሸቶ ሒዝና ብኸመይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሎም ከም እንኽእልን ዜርኢ ኽልተ ኽፋል ዘለዎ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 17 (187)
2 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 27 (221)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ቲኦክራስያዊ ዜናን።
20 ደቒቕ:- እቶም እሙናት ሰባት ኣዝዮም ይባረኹ። (ምሳ. 28:20) ብጸሓፊ ዚቕርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። የሆዋ ነቲ እታ ጉባኤ ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ንጥፈታታ ንኸተዛይድ ዝገበረቶ ጻዕርታት ብኸመይ ከም ዝባረኾ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ፣ ነቶም ኣሕዋት ድማ ንኣዶም። ቍጽሪ እቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ: ክንደይ ሓድሽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀመረ: ከምኡውን ካልእ ኣብ ኣገልግሎት እተዓመ ጽቡቕ ነገራት ጥቐስ። ሰማዕቲ ምስ በዓል ዝኽርን ምስቲ መዓደሚ ወረቐት በዓል ዝኽሪ ንምዝርጋሕ እተገብረ ወፈራን ዚተሓሓዝ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም። ፍልይ ዝበለ ተመክሮታት ብመርኣያ ኸተቕርቦ ትኽእል ኢኻ። ንኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃኖም ብዛዕባ ዝረኸብዎ በረኸት ኬዘንትዉ ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም።
15 ደቒቕ:- “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ተዳሎ።” ሰማዕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ንኼገልግሉ መዓስን ብኸመይን ከም ዚዳለዉ ኼዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 11 (85)