ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/08 ገጽ 1
  • “ኣርዑተይ ጹሩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣርዑተይ ጹሩ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • የሱስ ዕረፍቲ የምጽእ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕረፍቲ ርኸብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 5/08 ገጽ 1

“ኣርዑተይ ጹሩ”

1 ኣብዛ ጸቕጥን ጭንቀትን ዝመልኣ ዓለም: ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ዕረፍቲ ኽንረክብ ዝቐረበልና ምዉቕ ዕድመ ብምቕባልና ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ረኺብና ኢና። (ማቴ. 11:29, 30) ነዚ ወደ መዝሙር ናይ ምዃን ኣርዑት እዚ ምቕባል ኣብ ሓደ በዳሂ ጥራይ ዘይኰነስ ዕረፍቲ እውን ዜምጽእ ዕዮ ምጽማድ ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ካልኦት ከማና ኣብ ትሕቲ እቲ ፈኵሽ ኣርዑት የሱስ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ምሕጋዝን የጠቓልል።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

2 ካብ ኣገልግሎት ዕረፍቲ ምርካብ:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ልዕሊ ጾሮም ጾሩ ኺጾሩ ኣይኰነን ዚደልዮም ነይሩ። የግዳስ እቲ ኸቢድ ጾሮም በቲ ፈኵሽ ጾሩ ኺልውጥዎ እዩ ዚዕድሞም ነይሩ። ድሕሪ ደጊም በዚ ኸቢድ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን እዚ ስርዓት እዚ ኣይንጽቀጥን: ሓላፊ ሃብቲ ኽንረክብ ኢልና እውን ሓርኰትኰት ኣይንብልን ኢና። (ሉቃ. 21:34፣ 1 ጢሞ. 6:17) ትሑዛትን መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት ክንረክብ ኢልና ንሰርሕን እኳ እንተ ዀንና: ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንህቦ ግን ኣምልኾና እዩ። (ማቴ. 6:33) ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ግቡእ ኣመለኻኽታ እንተ ሒዝና: ኣገልግሎት ጾር ዘይኰነስ ዕረፍቲ ዀይኑ ኽንረኽቦ ኢና።—ፊል. 1:10

3 ብተፈጥሮና ብዛዕባ ዜገድሰና ነገር ክንዛረብ ኢና እንደሊ። (ሉቃ. 6:45) ኵሎም ክርስትያናት ብዛዕባ የሆዋን እቲ ተመባጺዕዎ ዘሎ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታትን ኣጸቢቖም እዮም ዚግደሱ። ኣብ ኣገልግሎት መዓልታዊ ሓልዮትና ንድሕሪት ገዲፍና ብዛዕባ እቲ ‘ሰናይ ብስራት’ ምዝራብስ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዜምጽእ ኰን እዩ! (ሮሜ 10:15) ልክዕ እዩ ሓደ ነገር እንተ ደጋጊምናዮ ኢና ዝያዳ ኽኢላታትን ሕጉሳትን እንኸውን። ስለዚ: ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ እንተ ኣሕሊፍና ዝያዳ ዕረፍቲ ንረክብ። ሰባት ንስብከትና ኪቕበልዎ ኸለዉ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! (ግብ. 15:3) በቲ እንገብሮ ጻዕርታት የሆዋ ኸም ዚሕጐስን በረኸታቱ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍርን እንተ ዘኪርና ዘይምግዳስን ምጽራርን እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኼምጽኣልና እዩ።—ግብ. 5:41፣ 1 ቈረ. 3:9

4 ዕድመ የሱስ ብምቕባል: ከም መሰኻኽር የሆዋ መጠን ምስ የሱስ ሓቢርና ናይ ምግልጋል መሰል ረኺብና ኢና። (ኢሳ. 43:10፣ ራእ. 1:5) ካብዚ ንላዕሊ ዕረፍቲ ዚህብ ነገር የልቦን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ