ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን፦ መጽሔታት፣ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሓምለ፦ ብሮሹራት።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ እኹል ቀረብ እቲ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ (S-205) ከምኡውን ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ (S-205b) ኪሕዙ ኣለዎም። እዚ በቲ መሕተቲ ጽሑፋት ፎርም (S-14) ጌርካ ኺእዘዝ ይከኣል እዩ። እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ሓዙ። እቲ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ ፎርምታት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቅድሚ ምልኣኽኩም ብግቡእ ኸም እተመልአ ኣረጋግጹ።
◼ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ ኵሎም ኣስተናበርቲ ሓለውትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ኪሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተ ኣልዩ: እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ነቲ ለውጢ ኣድራሻ ኣስተናባሪ ሓላዊ/ጸሓፊ ዚሕብር ፎርም (S-29) መሊኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብቕልጡፍ ኪልእኾ ኣለዎ። ናይ ተሌፎን ለውጢ እንተ ኣልዩ እውን እዚ ፎርም እዚ ኺስደድ ኣለዎ።
◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ እትገሹ: ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ: ኣብ ኣኼባ ወረዳ: ወይ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ: እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዚግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዚግበር ዕዮ ስብከት ንእትከታተል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕተቱ። ኣድራሻታት ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ፦ እንግሊዝኛ፦ ጥሙር ጥራዛት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! 2007፣ ኦሮምኛ፦ ሓጐስ ስድራቤት፣ ወላይትኛ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ፦ ኣምሓርኛ፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት፣ እንግሊዝኛ፦ ኤጁኬሽን፣ ጋይዳንስ፣ ሳብሚሽን፣ ራእይ ፍጻሜኡ፣ ኢንደክስ 1986-2000፣ ኖዋህ ኤንድ ዴቪድ ኣብ ዲቪዲ፣ ፈረንሳይኛ፦ ንቑሕ ኩን!