ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ሚያዝያ 2008 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 3 መጋቢት ክሳዕ 28 ሚያዝያ 2008 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. መደረና ኣብቲ እተመደበልና ጽሑፍ ተመርኲስና ኽንሃንጾ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ [be ገጽ 234 ሕ.ጽ. 1–ገጽ 235 ሕ.ጽ. 1]
2. ክንምህር ከለና: ሕቶታት ምጥቃም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 236 ሕ.ጽ. 1-5]
3. ሕቶታት: ሰማዕቲ ንሓደ ርእሰ ነገር ብርትዓዊ ኣገባብ ንኺርድእዎ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 237 ሕ.ጽ. 3–ገጽ 238 ሕ.ጽ. 1]
4. ክንምህር ከለና: ሰባት ውሽጣዊ ስምዒታቶም ከም ዚገልጹ ዚገብር ሕቶታት ብሜላ ኽንጥቀም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ. 20:5፣ ማቴ. 16:13-16፣ ዮሃ. 11:26) [be ገጽ 238 ሕ.ጽ. 3-5]
5. ክንምህር ከለና: መነጻጸሪ ምጥቃም እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧ (ዘፍ. 22:17፣ ኤር. 13:11) [be ገጽ 240 ሕ.ጽ. 1-3]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ገለ ኻብቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ጐሊሑ ዘሎ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ንኽንረክብ ዚሕግዘና ስርዓታት እንታይ እዩ፧ [bsi08-1 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 32]
7. መንፈስ ቅዱስ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 14:25, 26) [be ገጽ 19 ሕ.ጽ. 2-3]
8. እቲ ኻብ ምንባብ ዚርከብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ረብሓ እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 21 ሕ.ጽ. 3]
9. መጽናዕቲ እንታይ የጠቓልል፧ [be ገጽ 27 ሕ.ጽ. 3–ገጽ 28 ሕ.ጽ. 1]
10. ወንጌል ሉቃስ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ንዘሎና ምትእምማን እተደልድል ብኸመይ እያ፧ [bsi08-1 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 30-1]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. የሱስ ንሓደ ሰብኣይ “ሄር መምህር” ወይ “ሕያዋይ መምህር” (ትርጕም 1990) ኢሉ ብምዝራቡ ዝኣረሞ ስለምንታይ እዩ፧ (ማር. 10:17, 18) [w08 15/2 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ወንጌል ማርቆስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
12. የሱስ ነታ ኦም በለስ እንታይ ኵነታት ኣይሁድ ንምብራህ እዩ ተጠቒሙላ፧ (ማር. 11:12-14, 20, 21) [w03 15/5 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 2-3]
13. መልኣኽ ገብርኤል ንማርያም ኪዛረባ ኸሎ: መንፈስ ቅዱስ ኪወርዳ ሓይሊ ልዑል እውን ኬጽልላ ምዃኑ ኸም ውጽኢቱ ድማ “ኽትጠንሲ” ኺብላ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ (ሉቃ. 1:30, 31, 34, 35) [w08 15/3 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት”]
14. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሓቂ ‘ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ’ ድዮም ገይሮም፧ (ሉቃ. 6:1, 2) [gt ምዕ. 31]
15. ካብቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ምኽሪ እንመሃሮ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 10:40-42) [w99 1/9 ገጽ 31]