ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/08 ገጽ 4
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ኣይትረስዓዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • እተገለሉ ግናኸ ዘይተረስዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዚዓይዩ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዚኸውን ሓገዝ
    ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 4/08 ገጽ 4

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብሃይማኖታዊ ውድብ ኣብ ዚካየድ ሆስፒታል ወይ መናበዪ ኣረጋውያን ኪሕከም ወይ ኪእለ ግቡእ ድዩ፧

ብእተፈላለያ ሃይማኖታውያን ውድባት ዚካየድ ንሓጺር ወይ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዚህብ ብዙሕ ሆስፒታላት ወይ መናበዪ ኣረጋውያን ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ብሓፈሻኡ ረብሓታት ዓባይ ባቢሎን ንምድንፋዕ ተባሂሉ እተመስረተ ኣይኰነን። (ራእ. 18:2, 4) እቲ ሃይማኖታዊ ውድብ ኣታዊ ንምርካብ ኢሉ ዝመስረቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ዘለዋ ገሊአን ሆስፒታላት ስመን ጥራይ ሃይማኖታዊ ኪኸውን ከሎ: ገሊአን ግን ካብቶም ሰራሕተኛታተን ካህናት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር: ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ኪሕከም ወይ ኪእለ እንተ ደልዩ: ምስ ሃይማኖታዊ ውድብ ምትእስሳር ኪህልዎ ናብ ዚኽእል ሆስፒታል ወይ መናበዪ ኣረጋውያን ኪኸይድ ወይ ኪሓድጎ ናይ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ናብኡ ኪኸይድ ሕልናኡ ኺፈቕደሉ ኸሎ: ንኻልእ ግን ሕልናኡ ኣይፈቕደሉን ይኸውን። (1 ጢሞ. 1:5) ንውሳነ ሓደ ሰብ ኪጸልዎ ዚኽእል ገለ ገለ ዅነታት ኪህሉ ይኽእል እዩ: ነዚ ኣብ ግምት ምእታው ድማ ጽቡቕ እዩ።

ንኣብነት: ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ሆስፒታል ወይ መናበዪ ኣረጋውያን እታ ሃይማኖታዊ ስም ዘለዋ ጥራይ ክትከውን ትኽእል እያ። ወይ እውን ኣብቲ ኸባቢ ካልእ ሆስፒታል እኳ እንተሎ: ዝበለጸ ኣገልግሎት እተቕርብ ግን እታ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ዘለዋ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቲ እትደልዮ ዓይነት ሕክምና ኪህብ ዚኽእል መሳርሒታት ወይ እቲ ሓኪምካ ይኹን መጥባሕቲ ዚገብረልካ ሓኪም: ኣብታ ሃይማኖታዊ ስም ዘለዋ ሆስፒታል ጥራይ ዚርከብ ኪኸውን ይኽእል። ኣብ ርእሲኡ ድማ: ገሊአን ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ዘለወን ሆስፒታላት ነቲ ኸም ክርስትያን መጠን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም ዘሎካ ኣረኣእያ ዜኽብራልካ ኪዀና ኸለዋ: ካልኦት ብሕታውያን ወይ መንግስታውያን ሆስፒታላት ግን ኣየኽብራልካን ይዀና። እዚ ገለ ኻብቲ ኣበየናይ ሆስፒታል ከም እትሕከም ክትውስን ከለኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ረቛሒታት እዩ።

ኣብ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ሆስፒታል ወይ መናበዪ ኣረጋውያን ክትሕከም ወይ ክትእለ እንተ ወሲንካ: ነቲ እተገብረልካ ኣገልግሎት ጥራይ ትኸፍል ከም ዘለኻ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። እዚ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃይማኖታዊ ውድብ ሓደ ዋኒን የካይድ ከም ዘሎ እሞ ንስኻ ድማ ነቲ ዚህቦ ኣገልግሎት ብምኽፋልካ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀጥታዊ ይኹን ብወለንታ ዚግበር ወፈያ ኸም ዘይገበርካ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። ነቲ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ትኸፍል ዘለኻ።

ልክዕ እዩ: ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ሓሶት ኣምልኾ ኸይትካፈል ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ነቶም ኣብኡ ዚሰርሑ ወይ ኪበጽሑ ዚመጹ እውን ከምቲ ንሳቶም ዚጥቀሙሉ “ኣባ” ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ መዓርጋት ጌርካ ኣይትጽውዖምን ኢኻ። (ማቴ. 23:9) እቲ ቦታ: ሕክምናን ኣገልግሎትን ጥራይ እትረኽበሉ ደኣ እምበር: ካልእ ዋላ ሓንቲ ዜራኽብ ዘይብልካ ትካል ከም ዝዀነ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ።

ናብቲ ሆስፒታል ክትኣቱ ኸለኻ: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካን ሽማግለታት ጉባኤኻ ኺበጽሑኻ ኸም እትደልን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምግባር: ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ግቡእ መንፈሳዊ ደገፍ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ እዩ።—1 ተሰ. 5:14

ኣመንቲ ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤት: ሽማግለታት ጉባኤኻ: ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ጉባኤ: ነቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚእለዩ ብዕድመ ዚደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ንምምላእ ሓላፍነት ኪወስዱ ኣለዎም፣ ብፍላይ እቲ መናበዪ ኣረጋውያን ብሃይማኖታዊ ውድብ ዚካየድ እንተ ደኣ ዀይኑ: ከምዚ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንቑሓት ምስ እንኸውን: ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣረጋውያን ዓብዪ ምትብባዕ ክንኰኖምን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ዚግበር ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት: በዓላት: ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ብጌጋ ኸይካፈሉ ኽንሕልዎምን ንኽእል ኢና።

ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ነፍሲ ወከፍና ንዅሉ እቲ ዅነታት ክንሓስበሉን ኣብ ኣየናይ ሆስፒታል ወይ መናበዪ ኣረጋውያን ከም እንሕከም ናይ ገዛእ ርእስና ውሳነ ኽንገብርን ኣሎና።—ገላ. 6:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ