ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/08 ገጽ 3
  • ‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “ንዓ ስዐበኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 4/08 ገጽ 3

‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’

1. ውጽኢታውያን ኣገልግልቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1 የሱስ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ረቢታት ኣይተማህረን፣ ይኹን እምበር: ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። እቲ ዜሐጕስ ድማ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ጸብጻብ ንጥቕምና ተባሂሉ ኽሳዕ ግዜና ተዓቂቡ ኣሎ። ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ንኽንከውን ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ይግብኣና።—1 ጴጥ. 2:21

2. ከምታ ክርስቶስ ንሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ ንኸነማዕብል ኪሕግዝና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2 ንሰባት ፍቕሪ ኣርኢ:- የሱስ በቲ ንሰባት ዝነበሮ ፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኹ እዩ። (ማር. 6:30-34) ብዙሓት ኣብ ክልና ዚነብሩ ሰባት “ቅልውላው” ሒዝዎም ኣሎ: ሓቂ ድማ ብህጹጽ የድልዮም ኣሎ። (ሮሜ 8:22) ብዛዕባ እቲ ዜስካሕክሕ ኵነታቶምን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ፍቕራዊ ተገዳስነትን ምስ እነስተንትን: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ጸኒዕና ንኽንቅጽል ኪድርኸና እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ብተወሳኺ: ሰባት ብሓቂ ኸም እንግደሰሎም እንተ ደኣ ተዓዚቦም: ንመልእኽትና ኪቕበልዎ እዮም።

3. የሱስ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚታት እዩ ዚሰብኽ ነይሩ፧

3 ኣብ ዝረኸብካዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ተዛረብ:- የሱስ ዝረኸቦ ዘበለ ኣጋጣሚ: እቲ ብስራት ንኻልኦት ንምክፋል ይጥቀመሉ ነበረ። (ማቴ. 4:23፣ 9:9፣ ዮሃ. 4:7-10) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና ምስ ካልኦት ብዛዕባ ሓቂ ንኽንዛረብ ድሉዋት ክንከውን ኢና እንደሊ። ገሊኦም ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኪጕዓዙን ኪሽምቱን ከለዉ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ንኺሰብኩ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትን ምስኦም ይማልኡ።

4. መንግስቲ ኣምላኽ: ፍረ ነገር ስብከትና ኽንገብራ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵር:- ፍረ ነገር ስብከት የሱስ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 4:43) ሽሕኳ ኣብ ኣቀራርባና ብኡብኡ ወይ ብቕጥታ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይንጠቅስ እንተ ዀንና: ንሰባት ኣድላይነታ ኸነረድኦም ከም ዘሎና ግን ንፈልጥ ኢና። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ንምሕባር ሕማቕ ኵነታት ዓለም ክንጠቅስ ከለና እውን ከይተረፈ: ብቐንዱ ‘ሰናይ ኢና እነበስር።’—ሮሜ 10:15

5. ኣገልግሎትና ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ግደ ኺህልዎ ኣለዎ፧

5 ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወከል:- የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ዚውከል ነይሩ። ካብ ርእሱ ዋላ ሓደ ነገር ኣይመሃረን። (ዮሃ. 7:16, 18) ቃል ኣምላኽ ተመገበ፣ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕትታት ሰይጣን ምስ ኣተወ ድማ ተጠቕመሉ። (ማቴ. 4:1-4) ንኻልኦት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንምህሮም: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብን ብብሕትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። (ሮሜ 2:21) ኣብ ኣገልግሎት ሕቶታት ክንምልስ ከለና: ነቲ እንብሎ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕሲ ብምጥቃስ ክንድግፎ: ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ብቕጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሎም ኣሎና። እቲ ብዓል ቤት ናይ ርእስና ሓሳባት ንገልጽ ከም ዘለና ዘይኰነስ: ሓሳባት ኣምላኽ ንገልጽ ከም ዘለና ኺርዳእ ኢና እንደሊ።

6. የሱስ: ልቢ ሰማዕቱ ንምትንካፍ እንታይ ገበረ፧

6 ክትምህር ከለኻ ልቢ ሰማዕትኻ ተንክፍ:- “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን።” (ዮሃ. 7:46) እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ነቶም ገላዉ ስለምንታይ ንየሱስ ከም ዘይኣሰርዎ ምስ ሓተትዎም: እቶም ገላዉ ኸምዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢሎም መለሱ። የሱስ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት ሓቅታት ከም ዘለዎ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዜመሓላልፈሎም: ንኣልባቦም ኪትንክፍ ብዚኽእል መገዲ ገይሩ እዩ ምሂርዎም። (ሉቃ. 24:32) ንቓላቱ ህያው ንምግባር: ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወቶም ዚጥቀምሉ ነገራት እተወስደ ምሳሌታት ይጥቀም ነበረ። (ማቴ. 13:34) ንሰማዕቱ ብዙሕ ሓበሬታ ብምሃብ ዓቕሎም ኣየጽበበሎምን። (ዮሃ. 16:12) ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ: ኣብ የሆዋ ኸም ዜተኵሩ ገበሮም። ልክዕ ከም የሱስ: ‘ንትምህርትና ምስ እንጥንቀቕ’ ጥራይ ኢና ንፉዓት መምህራን ክንከውን እንኽእል።—1 ጢሞ. 4:16

7. የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዑ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧

7 ዘይምግዳስን ምጽራርን እናኣጋጠመካ ምስባኽ ቀጽል:- የሱስ ተኣምራት እኳ እንተ ፈጸመ: ብዙሓት ኣይሰምዕዎን። (ሉቃ. 10:13) ኣባላት ስድራ ቤቱ እውን ከይተረፈ: “ተጸሊሉ” ይብሉ ነበሩ። (ማር. 3:21) የሱስ ግን ምስባኽ ቀጸለ። ንሰባት ሓራ እትገብሮም ሓቂ ሒዙ ኸም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይኣምን ስለ ዝነበረ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ነበሮ። (ዮሃ. 8:32) ንሕና እውን ብሓገዝ የሆዋ: ከይተሓለልና ኽንሰብኽ ቈሪጽና ኢና።—2 ቈረ. 4:1

8, 9. ምእንቲ እቲ ብስራት መስዋእቲ ብምግባር ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ምሉእ ተሳታፍነት ንኺህልወካ ዜድሊ መስዋእትታት ግበር:- የሱስ ንኣገልግሎት ኪብል ስጋዊ ምሾት ሓዲጉ እዩ። (ማቴ. 8:20) ሓድሓደ ግዜ ደኺመ ኸይበለ ኽሳዕ ዚመሲ ይሰብኽ ነበረ። (ማር. 6:35, 36) ነቲ ዕዮ ንምፍጻም እተወሰነ ግዜ ኸም ዝነበሮ ይፈልጥ ነበረ። ንሕና እውን “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ: ንየሱስ ብምምሳል ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ክንስውእ የድልየና።—1 ቈረ. 7:29-31

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ የሱስ ስለ እተማህሩ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ እዮም ነይሮም። (ግብ. 4:13) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ነቲ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣገልጋሊ ዝዀነ ምስ እንስዕቦ: ኣገልግሎትና ኽንምልእ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ