ብመንፈስ እንምገበሉን እንሕጐሰሉን ኣጋጣሚ
1. የሆዋ ንመንፈሳዊ ድሌት ኣገልገልቱ ዚሓሊ ብኸመይ እዩ፧
1 የሆዋ፡ ንመንፈሳዊ ድሌት ኣገልገልቱ ብፍቕራዊ መገዲ ይሓሊ እዩ። ዓለም ብሓፈሻ መንፈሳዊ ዓጸቦ ኣጋጢምዋ እኳ እንተሎ፡ ንሕና ግን እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ንረክብ ኢና። (ኢሳ. 65:13) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ንምምጋብ ዚጥቀመሉ መገዲ እቲ ኣብ ዓመት ዓመት ዚካየድ ኣኼባ ኣውራጃ እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ “ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምእካብ ምድላዋት ትገብርዶ ኣሎኻ፧ ጥዑምን ዜዐንግልን መንፈሳዊ ምግቢ ተዳልዩ ኣሎ።
2. ንኣኼባ ኣውራጃ ኣቐዲምካ ምድላው እንታይ የጠቓልል፧
2 ኣቐዲምካ ተዳሎ፦ “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ።” (ምሳ. 21:5) ስለዚ፡ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንምእካብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ንኣስራሒኻ ፍቓድ ንምሕታት ኣይትደንጒ። ምሕዳር ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ መሕደሪ ቦታ ኣዳሊኻ ዲኻ፧ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ምስ ኣሕዋትካ ዄንካ ምእንቲ ኽትምሳሕ፡ ምሳሕካ ኸተዳሉ እውን ኬድልየካ እዩ። ኮፍ መበሊ ንኽትረክብ ከምኡውን ኣብ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምእንቲ ኽትካፈል ናብቲ ኣኼባ ኣቐዲምካ ኽትመጽእ መድብ።
3. እንታይ ዓይነት ኣከዳድና እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧
3 እቲ እንኽደኖ ኽዳን፡ ግቡእን ሕንኪ ዘለዎን ኪኸውን ኢና እንደሊ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ኣኼባ ኣውራጃ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ምስክርነት ክንህብ ዜኽእለና ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ኣብታ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረላ ኸተማ ምዕሩጋት ብምዃንን ባጅና ብምግባርን ካብቶም ዘይኣመንቲ ተፈሊና ኽንርአ፡ ንተዓዘብቲ ድማ ኣወንታዊ ጦብላሕታ ኽንገድፈሎም ንኽእል ኢና።
4. ንዓና ይኹን ንስድራ ቤትና ኻብቲ መደብ መሊእና ንኽንጥቀም ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
4 ተጠንቂቕካ ስማዕ፦ ካብቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተዳልዩ ዘሎ መንፈሳዊ ምግቢ ንእሽቶ እውን ትኹን ክትሓልፈና ኣይንደልን ኢና። (ምሳ. 22:17, 18) ጥቕስታት ኪንበብ ከሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ምክትታልን ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ምጽሓፍን፡ ናብ ካልእ ከየስገልና ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ትምህርቲ ንኸነተኵር ኪሕግዘና እዩ። ምሸት፡ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ መደብ ምስ ካልኦት ክንዘራረብ ከለና እቲ ዝጸሓፍናዮ መዘኻኸሪታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ቐረባ ዓመታት፡ ገለ መንእሰያት ብሓንሳእ ኮፍ ኢሎም እቲ መደብ እናተኻየደ ኸሎ ኼዕልሉን ብሞባይል ተሌፎኖም ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ኪለኣኣኹን ተዓዚብና ኢና። ኮተቴታት እውን ሓዊስካ ቘልዑ እንተ ኣልዮምና፡ ካባና ተፈልዮም ምስ ካልኦት መንእሰያት ኮፍ ኪብሉ ኣብ ክንዲ እንፈቕደሎም፡ ብስድራ ቤት ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና ኽንሰምዕ ጠቓሚ እዩ።
5. ነቲ ኻብ ኣኼባ ኣውራጃ እንረኽቦ ሓጐስ ክንውስኸሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ሕውነት ኣርኢ፦ ጥዑም ምግቢ ዝያዳ ዜሐጕስ፡ ምስ ፈተውትኻ ዄንካ ኽትበልዖ ኸለኻ እዩ። (ምሳ. 15:17) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኴንና እንረኽቦ ሕውነት ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዝያዳ ዜሐጕስ እዩ ዚገብሮ። ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ተበግሶ ወሲድና ምስ ካልኦት ክንላለን ክንቀራረብን ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! (መዝ. 133:1) እቲ ኣቦ መንበር፡ ሙዚቃ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብ ቦታና ኽንምለስ ብሕያውነት ምስ ዚሕብረና፡ ዕላልና ኣቋሪጽና እቲ መደብ ኪጅመር ከሎ ኣብ ቦታና ኾፍ ክንብል ኣሎና።
6. ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ኸተማ ንዚርከቡ ሰባት ብኸመይ ክንምስክረሎም ከም እንኽእል ዜርኢ ብብሕትኻ ዝረኸብካዮ ተመክሮ ኣዘንቱ።
6 ምስክርነት ንምሃብ ንቑሕ ኩን፦ ዓብዪ ኣኼባታት መብዛሕትኡ ግዜ ምስክርነት ክንህብ ዜኽእለና ብሉጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ኣአንገድቲ ኣብያተ ምግቢ ነቶም ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ኣብያተ ምግቢ ዚኸዱ ተኣከብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባጅ ካርድ እቲ ኣኼባ ዚርከብ ኣርእስቲ ሓቲቶምዎም እዮም። እዚ ድማ፡ ብዛዕባ ሓቂ ጽቡቕ ምስክርነት ኪህቡ ናብ ዜኽእሎም ዝርርብ መርሐ። ገለ ኻብቶም ዝሓተቱ ድማ ናብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ተዓዲሞምን ተኻፊሎምን እዮም።
7. ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
7 ነቲ መደብ ንምድላው፡ መሳለጥያታት ንምቕራብ፡ ክፍልታት ኣኼባ ኣውራጃ ንምውዳብ፡ ከምኡውን መደረታት ንምድላው ብኣሽሓት ዚቝጸር ሰዓታት እዩ ሓሊፉ። ነዚ መንፈሳዊ በዓል እዚ ንምድላው እተገብረ ፍቕራዊ ጻዕሪ፡ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ዜርኢ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ኵልና ኣብቲ ኣኼባ ተረኺብና ብዝከኣለና ንመገብ! ከምዚ ምስ እንገብር ከም ዓለም ዘይኰነ፡ ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ክንብል ኢና።’—ኢሳ. 65:14