መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ዛንታ ኖህን ማይ ኣይሂን ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣዝዩ ፍሉጥ ዛንታ እዩ። ማይ ኣይሂ ብሓቂ ዘጋጠመ ነገር እዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ እዚ ፍጻመ እዚ ናይ ሓቂ ዘጋጠመ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። [ሉቃስ 17:26, 27 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ማይ ኣይሂ ናይ ሓቂ ምዃኑ ዜእምን ምኽንያታት ትህብ፣ ከምኡውን ካብቲ ጸብጻብ እቲ እንመሃሮ ትምህርቲ ትገልጽ።”
Awake! June
“ቈልዓ ምዕባይ: ብፍላይ ድማ እቲ ቘልዓ ኣብ ዕድመ ጕብዝና ምስ በጽሐን ቅልጡፍ ለውጥታት ኪገብር ምስ ጀመረን: ከቢድ እዩ። ወለዲ ዜተኣማምን ምኽሪ ካበይ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ንወለዲ ብጥበብን ብምርዳእን ንኺመላለሱ ዚሕግዞም እዋናዊ ሓሳባት ትህብ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ዚቕበለንዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ምስ ጠሓሉ: ኣምላኽ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣስተብህል። [ህዝቅኤል 6:6 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ‘ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ የገድስ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ትምልስ።” ነታ ኣብ ገጽ 9 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! June
“ዕድመ ዀተቴ: ነቶም ውሉዳትን ንወለድን ኣዝየን ኣሸገርቲ ምዃነን ከም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ምስዓብ ንኣተኣላልያ ውሉድ ዜመሓይሽዶ ይመስለካ፧ [ያእቆብ 1:19 ኣንብብ። ድሕሪኡ: መልሲ ተጸበ።] ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ግብራዊ ሓሳባት ክትረክብ ኢኻ።”