ንሓዘንተኛታት ኣጸናንዕ
1. ሓዘንተኛታት ምጽንናዕ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧
1 እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ምስኣን: ብፍላይ ነቶም ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ዜሰቅቕ ተመክሮ እዩ። (1 ተሰ. 4:13) ብዙሓት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ: ‘ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሞቱ፧ ምስ ሞቱ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ነቶም ዜፍቅሮም ሰባት እንደገና እርእዮምዶ እኸውን፧’ ኢሎም ይሓቱ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንረኽቦም ብሰንኪ ሞት ኣዝማዶም ወይ ፈተውቶም ዚሓዝኑ ሰባት ንኸነጸናንዖም ዚሕግዘና ገለ ሓሳባት ኣብ ታሕቲ ኣሎ።—ኢሳ. 61:2
2. እቲ ብዓል ቤት ኣብ ሓዘን ከም ዘሎ እንተ ነጊሩና: ስፍሕ ዝበለ ምስክርነት ክንህቦ ይግባእዶ፧
2 ካብ ቤት ናብ ቤት:- ሓደ ብዓል ቤት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ኻብ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኸም ዝሞቶ ይነግረና ይኸውን። ገና ኣብ ውዑይ ሓዘን ድዩ ዘሎ፧ እቲ ገዛ ብሓዘንተኛታት ኣዝማድ መሊኡ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ስፍሕ ዝበለ ምስክርነት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን። (መክ. 3:1, 7) ሓዘንና ገሊጽና: ነቲ ዅነታት እትበቅዕ ትራክት: መጽሔት: ወይ ብሮሹር ሂብናዮም ክንከይድ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽንህቦም ኣብ ምሹእ ግዜ ተመሊስና ኽንበጽሖም ንኽእል ኢና።
3. እቲ ዅነታት ዜፍቅዶ እንተ ዀይኑ: ንሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ብዓል ቤት ኣየናይ ጥቕስታት ከነርእዮ ንኽእል፧
3 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት: ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና ኣስፊሕና ኽንዛረብ እንኽእል ኰይኑ ይስመዓና ይኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ: ነቲ ጌጋ ዝዀነ ኣተሓሳስባኦም እነፍርሰሉ ግዜ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንትንሳኤ ዚምልከት መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከነንብበሎም ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 5:28, 29) ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ ከም ዚብል ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (መክ. 9:5, 10) ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንትንሳኤ ዚምልከት ጸብጻብ እውን ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 11:39-44) ብዛዕባ እተን እዮብ ኣብ የሆዋ ተስፋ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ እተዛረበን ቃላት ምዝርራብ እውን ካልእ ኣማራጺ እዩ። (እዮ. 14:14, 15) ቅድሚ ኻብቲ ገዛ ምኻድና: ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧: እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዘርእስተን ብሮሹራት ወይ ካልእ ምስቲ ዅነታት እትኸይድ ብሮሹር ወይ ትራክት ከነበርክት ንኽእል ኢና። ወይ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 6 ዚርከብ ሓበሬታ ኸም ዜተኵሩሉ ብምግባር ነታ መጽሓፍ ክንገድፈሎምን ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ኣስፊሕና ንኽንዘራረብ ተመሊስና ንኽንበጽሖም መደብ ክንገብርን ንኽእል ኢና።
4. ከነጸናንዓሉ እንኽእል እንታይ ካልእ ኣጋጣሚታት እዩ ዘለና፧
4 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት:- ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይካየድ እንተ ደኣ ኣልዩ: ኣመንቲ ዘይኰኑ ሰባት ኣብቲ ኣጋጣሚ ኺርከቡ ድዮም፧ ምጽንናዕ ዚህብ ጽሑፋት ኪወሃቦም ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጋዜጣ ዚወጽእ ምልክታታት ቀብሪ: ናብ ስድራ ቤት እቲ መዋቲ ሕጽር ዝበለት ናይ ምጽንናዕ ደብዳበ ንኽንጽሕፈሎም መገዲ ይኸፍተልና እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ብዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ሰብኣይን ጓሉን ሒደት ትራክትታት ዝሓዘት ደብዳበ ምስ ተቐበሉ: ናብ ገዛ እቲ ኣስፋሒ ብምኻድ: “እዛ ደብዳበ እዚኣ ዝሰደድኩምለይ ንስኻትኩም ዲኹም፧ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽፈልጥ እደሊ እየ” በሎ። እቲ ሰብኣይን ጓሉን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሎም ተሰማምዑ: ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ድማ ጀመሩ።
5. ነቶም ብሰንኪ ሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ዚሓዝኑ ንኸነጸናንዖም ዜኽእለና ምሹእ ኣጋጣሚ ኣብ ምንዳይ ንቑሓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
5 መክብብ 7:2: “ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ” ትብል። ሓዘንተኛ ኻብቲ ኣብ ምዝንጋዕ ዘሎ ሰብ ንላዕሊ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ድሉው እዩ። ኵልና ነቶም ብሰንኪ ሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ዚሓዝኑ ንኸነጸናንዖም ዜኽእለና ምሹእ ኣጋጣሚ ኣብ ምንዳይ ንቑሓት ክንከውን ይግብኣና።