መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
11 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥሪ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ካብቲ ኣብ ገጽ 111 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 112 ሕጡብ ጽሑፍ 1 እታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ምስዚ ሕጂ ዚካየድ ዘሎ ወፈራ ኣተሓሕዞ። ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ዝገዓዙ ኣስፋሒ እንተ ኣልዮም ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። እንታይ ጸገማት ኣጓኒፍዎም፧ ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧ እንታይ በረኸትከ ረኺቦም፧
20 ደቒቕ:- ንሓደስቲ ሰባት: ኣገልገልቲ ንኪዀኑ ሓግዞም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 31 ዘሎ ሓሳባት: በቲ ኣብኡ ተዳልዩ ዘሎ ሕቶታት ጌርካ ብሕቶን መልስን ተመያየጠሉ። ንሕጡብ ጽሑፍ 18 ድሕሪ ምምይያጥኩም: ሓደ ብዓል ቤት ንሓደ ምስ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣገልግሎት ዝወፈረ ሓድሽ ኣስፋሒ ኺቃወሞ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። መልሲ እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ስለ ዘየዕገቦ: እቲ ብዓል ቤት ነቲ ምይይጥ የቋርጾ። ካብታ ቤት ምስ ረሓቑ: እቲ ምኩር ኣስፋሒ ነቲ ሓድሽ ስለቲ ጻዕሩ ኻብ ልቡ ድሕሪ ምንኣዱ: ኣብ መጻኢ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዀላፍ ዘረባ ንኺምልሰሉ ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ኪጥቀመላ ኸም ዚኽእል የርእዮ። ብኸመይ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ኸም ዚሕዝ እውን የርእዮ።
መዝሙር 7 (51)
18 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
25 ደቒቕ:- “ምስክርነት እምነት!” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ። እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝዓመመቶ ዚገልጽ ኣወንታዊ ሓሳባት ብምሃብ ዛዝም።
መዝሙር 20 (93)
25 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ንኣባል ስድራ ቤትና ወይ ጐረቤትና ንምዕዳም ነታ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ነቲ በጃ ብሞሳ ምዝካሩ” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- እዋናዊ መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ ጥሪ ንቕሑ! ዚምልከት ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ሰማዕቲ ኣብተን ኪዕድልወን ዚመደቡ ዓንቀጻት ዚርከብ ፍሉይ ነጥብታት ኪጠቕሱ ዓድሞም። ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ፧ ድሕሪኡ ኻብታ ዓንቀጽ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኸተንብቡሎም ትኽእሉ፧ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥሪ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 29 (222)
3 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብታ “ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት” እትብል ሳጹን ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- ኣብ መጋቢት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእልዶ፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ኣብ መጋቢት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ሸቶ ብምሓዝ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድል ኢና። ገለ ኻብቲ ፍሉይ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ጥቐስ። ንሓደ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ምስ ሃብናዮ: መጽሔታት ምስ ኣበርከትናሉ: ከምኡውን ድሕሪ መጋቢት 22 ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ተመሊስና ኽንበጽሖ ኸለና ብኸመይ ከነቕርባ ኸም እንኽእል ተመያየጠላ። ጽቡቕ መዘኻኸሪ ምሓዝ ኣድላዪ ምዃኑ ግለጽ። (km 8/07 ገጽ 6፣ km 3/06 ገጽ 1 ሕ.ጽ. 3፣ km 1/06 ገጽ 3-6 ርአ።) ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 143-4 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሓደ ኣስፋሒ ኣብቲ ኸባቢ መብዛሕትኡ ግዜ ዚሕተት ሕቶ ምስ ቀረበሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ብኸመይ ከም ዚምልስ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 13 (124)