ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/07 ገጽ 4-5
  • ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓቡ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንትሑታት ብመገዲ ኣምላኽ ኪመላለሱ ምሃሮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣኼባታት ንመንእሰያት ይጠቅም ኢዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 9/07 ገጽ 4-5

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓቡ

1. የሱስ እንታይ ኣብነት ገደፈ፧

1 ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንካፈል ከለና: ኣብነትና ኣብቶም ዚዕዘቡና ሰባት ሓያል ጽልዋ ኺገብር ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። የሱስ ብቓልን ብግብርን መሃረ። እቶም ሰባት ነቲ ዝነበሮ ቕንኣት: ንሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ: ስም ኣቦኡ ንምቕዳስ ዝነበሮ ባህጊ: ከምኡውን ፍቓድ ኣቦኡ ንምፍጻም ዝነበሮ ቘራጽነት ኪዕዘብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—1 ጴጥ. 2:21

2. ኣብነትና ነቶም ምሳና ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ በየናይ መገድታት እዩ ኺጸልዎም ዚኽእል፧

2 ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና:- ልክዕ ከምቲ ናይ የሱስ: ኣብነትና ነቶም ምሳና ኣብ ኣገልግሎት ዚወፍሩ ይጸልዎም እዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ክንካፈል ከለና ዚርእዩና ሓደስቲ ወይ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብዛዕባ ዘለዎም ተሳትፎ ኺሓስቡ እዮም። ሓጐስናን ኣብ ካልኦት ዘለና ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ምስ ዚዕዘቡ: ኣብ ኣገልግሎቶም ከምዚአን ዝኣመሰላ ባህርያት ምንጽብራቕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺዘኻኸሩ እዮም። ተጊህና ቕዱሳት ጽሑፋት ክንጥቀም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር: ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ምስ ዜስተብህሉልና: ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ ኺለዓዓሉ እዮም።

3. ኣብነትና ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሮም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እንታይከ ኺመሃሩ ይኽእሉ፧

3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና:- መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተመሃሮና ብፍላይ ንጠባይና የስተብህልሉ እዮም። ንኣብነት: ነቲ መጽናዕቲ ኺዳለዉሉ: ነቲ ጥቕስታት ኣንቢቦምዎ ኺመጹ: ከምኡውን ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኬስምሩሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ንገልጸሎም እኳ እንተ ዀንና: ንገዛእ ርእስና ኸም እተዳለናን ዘይተዳለናን ኬስተብህሉልና ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 2:21) ኣብቲ ናይ መጽናዕቲ ቘጸራና ሰዓትና ነኽብር እንተ ደኣ ዄንና: ንሳቶም እውን ካልእ ንጥፈታት ካብ መጽናዕቶም ኬጓናድቦም ኣይከፍቅድሉን እዮም። ነቲ ንኣገልግሎት ኢልና እንገብሮ ርእሰ-መስዋእትነትን ነታ ሓያል እምነትናን እውን ከም ዜስተብህልሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቶም ጠቢቖም ኣብነት የሱስ ዚስዕቡ ኣስፋሕቲ ዚምህርዎም ሰባት ቀናኣትን ውጽኢታውያንን ወንጌላውያን እንተ ዀኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

4. ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና: ብኣብነትና ኣቢልና እንታይ ክንምህር ንኽእል፧

4 ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብ ከለና:- ኵሎም እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚእከቡ ሰባት: ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኣብነቶም ኣቢሎም ናይ ምምሃር ግደ ኣለዎም። ናብ ኣኼባታት ምምጻእ ዝጀመሩ ተገደስቲ ሰባት: ካብቲ ኣብታ ጉባኤ ዚዕዘብዎ ጽቡቕ ኣብነት ይጥቀሙ እዮም። ነቲ ምዉቕ ሕውነት: ክርስትያናዊ ሓድነት: ከምኡውን ነቲ ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድናናን ትርኢትናን የስተብህልሉ እዮም። (መዝ. 133:1) ነቲ ኣኼባታት ጉባኤ ኸየብኰርና ብምእካብናን ኣብኡ ድማ ንእምነትና ኣብ ቅድሚ ሰባት ብምግላጽናን እነርእዮ ኣብነት እውን የስተብህሉሉ እዮም። ሓደ ጋሻ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታትና: ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ነቲ እተጠቕሰ ጥቕሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳ ቐልጢፋ ኽትረኽቦን ክንበብ ከሎ ጽን ኢላ ኽትከታተሎን ከላ ተዓዘባ። እቲ ኣብነታ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ንኺሓትት ኣለዓዓሎ።

5. ኣብነትና ዜሕድሮ ጽልዋ ፈጺምና ኣትሒትና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

5 ቅዱሳት ጽሑፋት: ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ጽቡቕ ኣብነት ክንቀድሖ የተባብዓና። (ፊል. 3:17፣ እብ. 13:7) ስለዚ: ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ጠቢቕና እንተ ደኣ ስዒብናዮ: ካልኦት ከም ዜስተብህልሉን ብኣወንታዊ መገዲ ኸም ዚጸልዎምን ክንርስዕ የብልናን። ነዚ ፈሊጥና ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:6 ዚርከብ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ” ዚብል ቃላት ኣብ ልብና ነሕድሮ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ

◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ:- እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኪጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር: እቲ መእተዊ ሙዚቃ መንግስቲ ኣምላኽ ኪስማዕ ከሎ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 5:05 ድ.ቀ.: ሰንበት ድማ 4:10 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ:- ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።

◼ ምሳሕ:- ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ: በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራቤታት ናብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ: ጠራሙዝ: ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት:- ኣኼባ ኣውራጃ ንምድላው ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚግበር። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምሥክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።

◼ ምቕዳሕ:- ዝዀነ ይኹን መቕድሒ መሳርሒ: ምስቲ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ናይ ኤለክትሪክ ኰነ ናይ ድምጺ ገመድ ኪተሓሓዝ የብሉን። ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ጥራይ ከኣ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ።

◼ ተኸታተሎ እትበሃል ፎርም:- እታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም: ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ኣስፋሕቲ ሓንቲ ወይ ክልተ ቕዳሕ እዛ ፎርም እዚአ ሒዞም ናብቲ ኣኼባ ኺመጹ ኣለዎም። እዛ ፎርም እዚኣ ኻብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዘሎ ኽፍሊ መጻሕፍቲ እውን ክትርከብ ትኽእል እያ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ ምእንቲ ኺከታተልዎ ናብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚርከብ ክፍሊ መጻሕፍቲ ወይ ናብ ጉባኤ ምስ መጻኻ ነቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።—ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ