ንትሑታት ብመገዲ ኣምላኽ ኪመላለሱ ምሃሮም
1. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧
1 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ: በዛ “መገዲ” እዚኣ ዘለዉ ተባህለሎም። (ግብ. 9:2) ናይ ሓቂ ክርስትና ዅለንትናዊ ናብራ ሓደ ሰብ ዜጠቓልል እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ስለዚ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ርጡብ ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ-እምነት ምስራጽ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመገድታት የሆዋ ኺመላለሱ እውን ክንሕግዞም ኣሎና።—መዝ. 25:8, 9
2. ንሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ኣምላኽ ኬኽብር ኪድርኾ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2 ንየሆዋን ንየሱስን ዘለዎም ፍቕሪ:- ዘይፍጹማት ሰባት ንኣተሓሳስባኦም: ኣረኣእያኦም: ኣዘራርባኦም: ከምኡውን ጠባዮም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኬሰማምዕዎስ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኰን እዩ! (ሮሜ 7:21-23፣ ኤፌ. 4:22-24) ይኹን እምበር: እቶም ትሑታት ንኣምላኽን ንወዱን ዘለዎም ፍቕሪ ነዚ ኸቢድ ዕማም እዚ ብዓወት ኪፍጽምዎ የኽእሎም። (ዮሃ. 14:15፣ 1 ዮሃ. 5:3) ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ንኼማዕብልዋ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
3. ነቶም ተመሃሮ ኣብ የሆዋን የሱስን ፍቕሪ ንኼማዕብሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
3 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጥ ሓግዞ። ሓደ ሓው: “ሰባት ንዘይፈልጥዎ ኣካል ኬፍቅሩ ኣይክእሉን እዮም: ስለዚ ኻብ መጀመርታ እቲ መጽናዕቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ እምህሮም: ከምኡውን ባህርያት ኣምላኽ ንኸጕልሓሎም ኣጋጣሚታት እደሊ” በለ። ከምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ኣብነት የሱስ ብምጕላሕ እዩ። (ዮሃ. 1:14፣ 14:9) ብተወሳኺ: እቲ ተመሃራይ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽን ወዱን ምእንቲ ኬንጸባርቕ: ነቲ ኣብ መዛዘሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ናይ ድግማ ሳጹን ተጠቐም።
4. (ሀ) ብዙሓት ተመሃሮ ዕዮ ስብከት ከቢድ ኰይኑ ዚረኽብዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቶም መጽናዕቲ እንመርሓሎም ሰባት ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንኺጅምሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 ኣብነት ብምዃን ምሃር:- ከም እንምህርን እንመርሕን ሰባት መጠን: ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኻልኦት ብተግባርና ኢና እነርእዮም። (1 ቈረ. 11:1) ንኣብነት: ዚበዝሑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: እምነትካ ንዘይትፈልጦም ሰባት ብኸመይ ከተካፍሎም ከም እትኽእል ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ: ኣብቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ንምክፋል ከም እኒ ፍቕሪ: እምነት: ከምኡውን ትብዓት ዝኣመሰለ ኣድላዪ ባህርያት ኬማዕብሉ ንምሕጋዞም ትዕግስትን ክእለትን ይሓትት። (2 ቈረ. 4:13፣ 1 ተሰ. 2:2) እቲ ንተመሃሮና ንምምራሕ ዘሎና ድሌት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምክፋል ኪጅምሩ ኸለዉ ንምሕጋዞም ኪድርኸና እዩ።
5. ጽቡቕ ኣብነት ምዃን ንተመሃሮ ትእዛዛት ኣምላኽ ምስዓብ እንታይ ከም ዜጠቓልል ንኺዕዘቡ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧
5 ኣብነትኩም ነቶም ተመሃሮ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ክርስትያናዊ ናብራ ኸም መምርሒ ዀይኑ ኼገልግሎም ይኽእል እዩ። ንዝሓመሙ ኽትበጽሑ ወይ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምዉቕ ብዝዀነ መገዲ ሰላም ክትብሉ ኸለኹም: ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብተግባር ይርእዩ። (ዮሃ. 15:12) ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከተጽርዩን ንኻልኦት ክትሕግዙን ኪርእዩ ኸለዉ ድማ: ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዜገልግሉ ትምህርዎም ኣለኹም ማለት እዩ። (ዮሃ. 13:12-15) ቀሊል ናብራ ኽትነብሩ ኺርእዩኹም ከለዉ ድማ: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ’ እንታይ ማለት ምዃኑ ይርድኡ።—ማቴ. 6:33
6. ትሑታት ንኣምላኽ ኬገልግሉ ምሕጋዝ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧
6 ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ናይ ምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር: ትሑታት ‘ብሓቂ ኺመላለሱ’ ምርኣይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ።—3 ዮሃ. 4