ሕቶ ሳጹን
◼ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ብርእሶም እናተመሓደሩ ብጕጅለታት ተኣኪቦም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምርምር ወይ ክትዕ ዜካይዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚገብርዎ ንጥፈት ይሰምሮ ድዩ፧—ማቴ. 24:45-47
ኣይሰምሮን እዩ። ኰይኑ ግን:ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዚርከቡ ምስ ውድብና ዚሓብሩ ሒደት ሰባት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚተሓሓዝ ኣርእስትታት ምርምር ዚገብራ ብርእሰን ዚመሓደራ ጕጅለታት መስሪቶም እዮም። ገሊኦም ልክዕነት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንምምርማር ኣብ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናዕቲ ንዜካይዳ ብርእሰን ዚመሓደራ ጕጅለታት ይስዕቡ። ካልኦት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚተሓሓዝ ስነ-ፍልጠታዊ ኣርእስትታት ምርምር ይገብሩ። ሓሳባቶም ዚለዋወጡሉን ዚካትዕሉን ዌብ ሳይታትን ናይ ኢንተርነት መድረኽ ዕላላትን ኣዳልዮም እዮም። ንርኽበታቶም ንኺገልጹ ኸምኡውን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትናን ብጽሑፋትና ኣቢሉን ዚቐርብ ትምህርቲ ዚኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ንኺህቡ: ብጽሑፋት ሓቲሞምን ዋዕላታት ኣካይዶምን እዮም።
ኣብ ብዘላ ምድሪ ህዝቢ የሆዋ ብኣኼባታት ጉባኤ: ብዓበይቲ ኣኼባታት: ከምኡውን በቲ ብውድብ የሆዋ ዚዳሎ ጽሑፋት ኣቢሎም ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ መምርሕን ምትብባዕን ይረኽቡ ኣለዉ። የሆዋ: ኵሎም ህዝቡ ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ኪጋጠሙ’ ኸምኡውን ‘ብእምነት ኪጸንዑ’ ኢሉ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱሱን በቲ ሓቂ ዝዀነ ቓሉን ገይሩ ዜድሊ ዅሉ ይቕርብ ኣሎ። (1 ቈረ. 1:10፣ ቈሎ. 2:6, 7) ነቲ የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚገብረልና ዘሎ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ብዙሕ ኢና እነማስወሉ። ስለዚ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብመሪሕነቱ ዘይተሓትመ ወይ ዘይተወደበ ዝዀነ ይኹን ጽሑፋት: ኣኼባታት: ወይ ዌብ ሳይታት ኣይድግፍን እዩ።—ማቴ. 24:45-47
ውልቀ-ሰባት ናይ ምሕሳብ ክእለቶም ነቲ ብስራት ንምድጋፍ ኪጥቀሙሉ ምድላዮም ዚነኣድ እዩ። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ብሕታዊ ምርምር ካብቲ ሎሚ የሱስ ክርስቶስ በታ ኣብ ምድሪ ዘላ ጉባኤኡ ገይሩ ዚዓሞ ዘሎ ዕዮ ኺዓናቕፈና የብሉን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያ ጳውሎስ: ‘ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዝበዝሕ ክትዕ ዜምጽእ መወዳእታ ናብ ዜብሉ ቝጽሪ ወለዶታት’ ዝኣመሰለ ግዜ ናብ ዜባኽን ኣድካሚ ኣርእስትታት ከየድህቡ ኣጠንቀቐ። (1 ጢሞ. 1:3-7) ኵሎም ክርስትያናት: ‘ንናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን: ዘይጠቅምን ከንቱን’ ስለ ዝዀነ ኼግልሱሉ ኺጽዕሩ ኣለዎም።—ቲቶ. 3:9
እቶም ተወሳኺ መጽናዕትን ምርምርን መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ዚደልዩ:ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: “ኦል ስክሪፕቸር ኢዝ ኢንስፓየርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል:” ዘርእስቱ መጻሕፍቲ ኸምኡውን ኣብ ትንቢት ዳንኤል: ትንቢት ኢሳይያስ: ከምኡውን ራእይ ዮሃንስ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ዘሎ ትንቢታት ዚገልጽ መጻሕፍትን ካልእ ጽሑፋትናን ኪምርምሩ ንምሕጸን። እዚ: ‘በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን [ኣምላኽ] ኪመልኣና: ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬናን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤናን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከነብል ንእኡ ብቑዓት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ’ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖን ከነስተንትነሉን ዚሕግዘና ኣኺሉ ዚተርፍ ጽሑፋት እዩ።—ቈሎ. 1:9, 10