ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/07 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 9/07 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር። ጥቅምቲ:- መጽሔታት T-26 (መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ) ሕዳር:- ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር። ንቑሕ ኩን!። ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ ከኣ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት

◼ መስከረም ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።

◼ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ቍጽሪ ኣስፋሕቲ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ: ነቲ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 104 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዘሎ መምርሒ ኸነቕልበሉ ሰናይ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ እተመደበልና ክሊ ኣገልግሎት ብዘይምሕላፍ ክንተሓባበርን ንኣሕዋትንና ዀነ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ሓልዮትና ኸነርእን ዚገልጽ ሓሳብ እዩ። (1 ቈረ. 14:40) እዚ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢረን ንዚጥቀማ ጉባኤታት ዚምልከት እዩ። ሓንቲ ጉባኤ ብገለ ምኽንያት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባታት ወፍሪ ኣኼባ ኣገልግሎት ክትገብር እንተ ደኣ መዲባ: እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ እተመደበትሉ ኽሊ ዘይርከብ እንተ ደኣ ዀይኑ: እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ከባቢ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ የብሎምን። እዚ ኸኣ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኸባቢ ንዘለዉ ሰባት ብተደጋጋሚ ብምዝርራብ ነቶም እቲ ኽሊ እቲ እተመደበሎም ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ጸገም ምእንቲ ኸይፈጥሩሎም እዩ።

◼ ጉባኤታት በቲ ዚቕጽል ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም ገይረን ናይ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛትን ዎችታወር ላይብረሪ—2007 ኤድሽን ብሲዲ ሮምን ካብ ሕጂ ጀሚረን ኪሓታ ኣለወን። ዎችታወር ላይብረሪ—2007 ኤድሽን ንእተጠምቁ ኣባላት እታ ጉባኤ ጥራይ ተባሂሉ እተዳለወ ዀይኑ ብጉባኤ ኣቢልካ ጥራይ ኪርከብ ዚከኣል ምዃኑ ኣስተውዕሉ።

◼ ኣብ ታሕሳስ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሸይር ጉድ ኒውስ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክንመያየጠላ ኢና። ዜድልየኩም እንተ ደኣ ዀይኑ: ቅዳሕ እዛ ቪድዮ እዚኣ ንምርካብ ብጉባኤ ኣቢልኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

◼ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው ናይ ሰነ: ሓምለ: ከምኡውን ነሓሰ ሕሳብ እታ ጉባኤ ኺምርምሮ ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።—መምርሒታት ሕሳብ ጉባኤ (S-27) ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ