ቲኦክራስያዊ ዜና
◼ እዚ ዚስዕብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተዛዚሙ:- ጮመን (ጥቓ ፊንጫ): ዳኒሳ (ጥቓ ጊንጪ): ኤዶ ኪንዶ (ጥቓ ቦዲቲ): ኢንማይኰ (ጥቓ ጊምቢ): ኮራ (ጥቓ ጊንጪ): ሻምቡ: ወሊሶ: ኣዲስ ኣበባ-ጌጃ/ልደታ። እዚ ኸኣ ድምር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ 109 ኣብጺሕዎ ኣሎ።
◼ እቲ ድምር ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ እቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ዓሰርተው ሸሞንተ ኣኼባታት ኣውራጃ: 14,736 እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኻብ ናይ ዝሓለፈ ዝለዓለ ቝጽሪ 9% ወሰኽ ማለት እዩ። ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓደን ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ ተጠሚቖም እዮም።
◼ ኣብ ታሕሳስ ብድምር 277 ፈለምቲ በታ ተመሓይሻ ብተሪር ገበር እተዳለወት ሓዳስ መምሃሪ መጽሓፍ ገይሮም ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ተኻፊሎም ነይሮም። ካብዚኣቶም 159 ዚዀኑ ምኩራት ፈለምቲ ንኻልኣይ ግዜ እዮም ነዚ ጽቡቕ ስልጠና እዚ ረኺቦም።
◼ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እተመረቑ 45 ኣሕዋት ኣብ ክልና የገልግሉ ኣለዉ። ገለ ኻብዚኣቶም ኣብ ዕዮ መገሻን ኣብ ቤትኤልን እናኣገልገሉ ነቲ እተዋህቦም ስልጠና ንጽቡቕ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ተወሰኽቲ ኣሕዋት ናብቲ ኣብ መጀመርታ ግንቦት ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: ዚጅምር መበል 20 ክፍሊ እዚ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።
◼ ኣብ ቤትኤል ሓምሻይ ጕጅለ ትርጕም ንምቛም ንዓዪ ኣሎና። እዚ ጕጅለ እዚ ናብቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ ሲዳምኛ መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጻሕ ኪትርጕም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ትግርኛ: ኣምሓርኛ: ኦሮምኛ: ከምኡውን ወላይትኛ ዚግበር ትርጕም እዩ።