ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/07 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 18 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 25 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 2 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 6/07 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

11 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 9 (37)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ። ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-8 ተመርኵስካ ዚቐርብ መደረ። ገለ ኣሕዋት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ብቑዓት ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም: ንተገደስቲ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ይወላወሉ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ብውድቡን ኣቢሉ ኸም ኣገልገልቲ መጠን ብቕዓት ከም ዚህልወና ገይሩ እዩ። ሸቶና ጽሑፋት ምዕዳል ጥራይ ኣይኰነን። ንሰባት ክንምህሮም ክንጽዕር ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20) ኣስፋሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩ ኸም ሸቶ ኺሕዝዎ ኣተባብዓዮም።

20 ደቐቕ:- ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። ኣብ ምዕራፍ 13 እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 25 (204)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት ከምኡውን ቲኦክራስያዊ ዜና።

20 ደቒቕ:- መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧ ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 4-7 ተመርኲሱ ምስ ሰማዕቲ ዚገብሮ ምይይጥ።

15 ደቒቕ:- “ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ኽንውፊ ሕጉሳት ኢና!” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።

መዝሙር 10 (82)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- እቲ ዝበለጸ ውርሻ። ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-10 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።

20 ደቒቕ:- “ናብቲ ‘ዓብይን ብርቱዕን ደገ’ ኽትኣቱ ትኽእልዶ፧” ንሓደ ወይ ክልተ ስሩዓት ፈለምቲ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ስሩዓት ፈለምቲ ንኪዀኑ እንታይ ምትዕርራያት ገይሮም፧ ከመይ ዝበለ በረኸትከ ረኺቦም፧

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሰነ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ሓምለ ዚዕደል ጽሑፋት ሓብር: መእተዊ ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- ዘይወግዓዊ ምስክርነት—ነቲ ብስራት እንሰብከሉ ኣገዳሲ ሜላ። ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 101-2 ተመርኲስካ ዚቕርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስክርነት ክትህበሉ እትኽእል ገለ ግብራዊ መገድታት ጥቐስ። ሰማዕቲ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኪህቡ ኸለዉ ዝረኸብዎ ኣወንታዊ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓደሞም።

20 ደቒቕ:- “‘ብዙሕ ፍረ ምፍራይ’ ቀጽል።” ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ካብታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21 እትርከብ “ከመይ ጌርካ ‘ብትዕግስቲ ፍረ ኸም እትፈሪ’” ዘርእስታ ሳጹን ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 1 (13)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ