ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/06 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 18 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 25 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 2 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 9/06 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

11 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26 (212)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኵሎም ነቲ ኣብ ናይ 25 መስከረም እትጅምር ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚግበር ምይይጥ ንምድላው ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኺርእይዋ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ “ናይ ገዛእ ርእሰይ ሃይማኖት ኣሎኒ” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ኣርኢ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 10

20 ደቒቕ:- ካብ ኣኼባ ኣገልግሎትን ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ተጠቐሙ። ካብታ ኣብ ገጽ 64 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ኽሳዕ ገጽ 69 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ውድብ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እትገብሩሉ ዕለት ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲሙ ፍሉይ መዐደሚ ወረቐት ኣኼባ ኣውራጃ ከም ዚዕደል ኣዘኻኽሮም።—km 4/06 ገጽ 4 ርአ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

18 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12 (113)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ሓላው ኣገልግሎት: ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተዓመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ የቕርብ። ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኪትኰረሉ ዚግባእ ሓደ ወይ ክልተ መዳያት ጥቐስ። ብዛዕባ ፈለምቲ ዚፍጽምዎ ንጥፈታት ሓሳባት ሃብ: ስለቲ ዝዓመምዎ ዕዮ ድማ ንኣዶም። ነቶም ዘይንጡፋት ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ እተረኽበ ጽቡቕ ውጽኢት ግለጽ።

22 ደቒቕ:- “ካብ 16 ጥቅምቲ ኽሳዕ 12 ሕዳር ዚካየድ ፍሉይ ወፈራ!” ብሽማግለ ዚቐርብ ውዕዉዕ ምይይጥ። ኣብታ ብ6 ሰነ 2006 ናብ ኣካል ሽማግለታት እተላእከት ደብዳበ ዘሎ ምልክታ ድሕሪ ምንባብካ: ንነፍሲ ወከፍ ተኻፋሊ እቲ ኣኼባ ዜና መንግስቲ ቍ. 37 ዓድል። ብድሕሪኡ ነታ ዓንቀጽ ብሕቶን መልስን ተመያየጡላ። ክልኹም ንምሽፋን እተገብረ ምድላዋት ግለጽ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብዚ ወፈራ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም። ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መስከረም ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ካብታ “ክትዕደል ዘለዋ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!” ዚብል ኣብ ናይ km 8/06 ገጽ 4 ዚርከብ ዓንቀጽ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ኣቕርብ። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ናይ መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

25 ደቒቕ:- ነታ “ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ” እትብል ዓንቀጽ ተመያየጠላ። ቍጽሪ 1 ኽትመያየጡላ ኸለኹም ንሰማዕቲ ብዛዕባ እታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ብብሕቶም ዚስምዖም ነገራት ኣሕጽር ኣቢሎም ኪገልጹ ሕተቶም። ብድሕሪኡ ቐልጢፍካ ነቲ ኻብ ቍጽሪ 2-7 ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት ተመያየጠሉ። ኣብ መወዳእታ: ስድራቤታት ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ፧ ዘርእስታ ብዲቪዲ እተዳለወት ቪድዮ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺርእይዋ ኣተባብዓዮም።

5 ደቒቕ:- ካብታ ጉባኤ እተረኽበ ተመክሮታት። ኣስፋሕቲ ኣብ ፈለማ ምብጻሖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም። እዚ ኸኣ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ተጠቒሞም ዝረኸብዎ እንተ ዀነ ይምረጽ። ሓደ ወይ ክልተ ፍልይ ዝበለ ተመክሮታት ብመርኣያ ኪቐርብ ይኽእል እዩ።

መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብቲ “መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ” ግብራዊ ነጥብታት ጥቐስ።

18 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ተጸበዮ” ዚብል ክፍሊ ተመያየጠሉ።

17 ደቒቕ:- “ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ኣብቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ