ንተመሃሮኻ ኺሕብሩኻ ትሓቶምዶ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ተመሃራይ ኣዕሩኹ: ኣዝማዱ: ወይውን ካልኦት ዚፈልጦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ኪሕብረካ ንምንታይ ዘይትሓቶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ተመሃራይ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ነቶም ሰባት መጽናዕቲ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እንተደኣ ዀይኖም ክትሓቶም ከለኻ: ብፍቓድ እቲ ተመሃራይ ስሙ ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። “[ስም እቲ ተመሃራይ ጠቒስካ] መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃር ብምህላዉ ብዙሕ ተሓጒሱ እዩ: ንስኻውን ካብቲ ብናጻ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እየ መጽኤካ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ: በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርእዮ።
ጽቡቕ ዕቤት ዚገብር ዘሎ ተመሃራይ እንተ ሃልዩካ: ነቶም ተገዳስነት ኬርእዩ ዚኽእሉ ኣዕሩኹን ስድራቤቱን ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጸሎም ኬተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መጽናዕቲ ኺካፈሉ ኺዕድሞም ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር ዘይጥዕም ምስ ዚኸውን: ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገልጸሎም ቈጸራ ኺሕዘልካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር: እቲ ተመሃራይ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኬካፍል ኬተባብዖ ይኽእል እዩ።
እቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ገና ግን ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጀመሩ ሰባት እውን ብዛዕባ ዚፈልጥዎም ሰባት ኪሕብሩኻ ይኽእሉ እዮም። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክትህቦ ኸለኻ ብቕልል ዝበለ: “ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዚደሊ ኻልእ ሰብ ትፈልጥዶ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ፧
ንህጽጹነት ግዜና ኣብ ግምት ብምእታው: ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዑን ኪቕበልዎን ክንጥቀመሉ ኢና እንጽዕር። እሞኸ: ንተመሃሮኻ ኺሕብሩኻ ትሓቶምዶ፧