ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ወርሒ መጋቢት:- ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣበርክቱ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ግበሩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ኸለኹም: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርክቱ። ሰነ:- ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር።
◼ ሚያዝያ ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ በዓል ዝኽሪ ረቡዕ 12 ሚያዝያ 2006 ኪበዓል እዩ። ጉባኤኹም ረቡዕ ኣኼባ እንተ ኣለዋ: እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናጻ ኣብ ዝዀነሉ ኻልእ መዓልቲ ኪቕየር ኣለዎ። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንተ ተተንኪፉን: ንጉባኤኹም ብፍላይ ዚጠቅም ክፍልታት ኣብ ካልእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ይወሰድ።
◼ እቲ ናይ 2006 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ “ኣምላኽ ገናዶ ንነገራት ይቈጻጸሮ ኣሎ እዩ፧” ዚብል ኰይኑ ሰንበት 30 ሚያዝያ ኪቐርብ እዩ። እተን ኣብቲ ዕለት እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ወይ ድማ ፍሉይ መዓልቲ ኣኼባ ወይ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት: እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪወሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ 30 ሚያዝያ 2006 ክትወስዶ ኣይግባእን።
◼ ጉባኤታት ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምስ መጸን ብኡንብኡ ንኣስፋሕቲ ኪቕርባሎም ኣለወን። እዚ ኸኣ ነቶም ኣስፋሕቲ ናይ ብሕቲ ቕዳሕ ንኺረኽቡን ምስ ትሕዝቶ እቲ ዜበርክትዎ መጽሔታት ንኺላለዩን ይሕግዞም። ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ምስ መጸ እውን ብዝቐልጠፈ ኺወሃቦም ኣለዎ። ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኪዕደል ይከኣል እዩ።
◼ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ነታ ኖዋህ—ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ (ኖህ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ) ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኽንመያየጠላ ኢና። ኣድላዪ እንተደኣ ዀይኑ: ቅዳሕ እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ ብጉባኤ ኣቢልካ ብዝቐልጠፈ ኺሕተት ኣለዎ።
◼ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ዚገብርዎ ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ኪቕበል ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ኪለኣኸሎም ዚደልዩ ነቲ ጽሑፋት ዚሕዝ ሓው እቲ ብብሕቶም ዚደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ኺነግርዎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቕድሚ እቲ ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ ናብ ማሕበር ምልኣኹ ምልክታ ኸም ዚንገር ኪገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዚመጽእ ጽሑፋት ኣየናይ ምዃኑ በጃኹም ኣይትረስዑ።
◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ እትገሹ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ: ወይ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ: እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዚግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዚግበር ዕዮ ስብከት ንእተወሃህድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕተቱ። ኣድራሻታት ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ናይታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ።