ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
9 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት እናመስከረ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር—ቀንዲ መሳርሒት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ” በዛ ሓዳስ መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ኣተባብዓዮም።
20 ደቒቕ:- “በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ እትኽእል ኣቀራርባ።” ኣብ ገጽ 3 እታ እታው ተመርኲስካ ዚቐርብ መርኣያታትን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርና ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ብኡብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎምን ክንመርሓሎምን ንኽእል ኢና። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ (1) ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 (2) ኣብ ገጽ 6 ከምኡውን (3) ኣብ ገጽ 7 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዘሎ ሓሳባት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ዜርኢ ሰለስተ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ መርኣያታት ኣቕርብ። ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ኣቐዲምካ ብኸመይ ከም እትቐርብ ሓብር: ድሕሪ ምቕራባ ድማ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጻ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ክትመያየጠሉ ኸለኻ: ከከም ኣድላይነቱ ኣሕጽር ኣቢልካ ኸተቕርቦ ትኽእል ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: እቲ ኣስፋሒ ኣብ ዚመጽእ ተመሊሱ ኺበጽሖ ምድላዋት ብምግባር ከም ዚውድእ ግበር።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28 (224)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ነቲ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንመያየጠሉ ኣርእስቲ ኺዳለዉ ኸለዉ: ነታ ትራንስፍዩዥን ኦልተርኔቲቭ ሄልዝ ኬር—ሚቲንግ ፐይሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ ዘርእስታ ቪድዮ ኽትርከብ ትኽእል እንተደኣ ዀይና ርእዮምዋ ኺመጹ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም እተመሓደሩ። ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 4-7 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ብድሕሪኡ ነቲ ኻብ ገጽ 5 ኽሳዕ እቲ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ንኡስ-ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ። ቀጺሉ ዘሎ ኽፋላት እዛ ኦርጋናይዝድ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ዚመጽእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኺቐርብ እዩ።
20 ደቒቕ:- “ከም ብርሃናት ዚበርሁ መንእሰያት” መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ኪምስክሩ ኸም ዝኸኣሉ ኺገልጹ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ መንእሰያት ሓሳባት ኪህቡ ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ኻብዘን መርኣያታት ከም ዜቕርብ ግበር።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ሕቶታት ብምሕታትን ጽን ኢልካ ብምስማዕን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ቍጽሪ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ሰማዕቲ ምይይጥ ንምጅማር ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ሕቶታት እንተሎ ሕተቶም። ሕቶታት ብሜላ ብምሕታትን ጽን ኢልካ ብምስማዕን ከመይ ጌርካ ሰባት ሓሳባቶም ከም ዜካፍሉኻ ኽትገብር ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 20 (93)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ለካቲት ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ንረብሓና እተገብረ ፍቕራዊ ምድላዋት። ብሽማግለ ዚቐርብ። ካብቲ እቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ኸምኡውን ሕሙማት ዚበጽሕ ጕጅለ ዚህቦ ኣገልግሎት ብዛዕባ ኽንጥቀመሉ እንኽእል መገድታት ኣመልኪታ ብ3 ጥሪ 2006 ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናብ ኵለን ጉባኤታት እተላእከት ደብዳበ ኣንቢብካ ተመያየጠላ።
20 ደቒቕ:- “ኣገዳሲ ሕክምናዊ ምዕባለ እተጕልሕ ቪድዮ።” ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ኣንቢብካ: ክርስትያናት ምምሕልላፍ ደም ዝኣብዩሉ ቐንዲ ምኽንያት: ነቲ ኣምላኽ ንቕድስና ደም ዚምልከት ዝሃቦ ሕጊ ንምኽባር ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብታ ዓንቀጽ ዘሎ ሕቶታት ተጠቒምካ: ነታ ፐይሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ እትበሃል ቪድዮ ተመያየጠላ። ነታ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ብምንባብ ዛዝም።
መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን
6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
25 ደቒቕ:- ምስታ ሓዳስ ናይ መምሃሪ መሳርሒትና ምልላይ። መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ ኻብቲ ንቐንዲ ነጥብታት ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዜጕልሕ ናይ መእተዊ ሕቶታትን ናይ ድግማ ሕቶታትን (ገጽ 106, 114): ስእላዊ መግለጺታት (ገጽ 122-3, 147, 198): ከምኡውን መመላእታ ጽሑፍ (ገጽ 197 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2) ዝኣመሰለ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዝያዳ ዝመሰጦም ነገር እንተሎ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም። ኣገባብ ኣመሃህራ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምዉቕን መሳጥን እዩ (ገጽ 12 ቍ. 12)። ቀሊልን ንጹርን መግለጺታት (ገጽ 58 ቍ. 5) ከምኡውን ኣስላጢ መብርሂታት (ገጽ 159 ቍ. 12) እያ እትጥቀም። እቲ መቕድም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኪሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ (ገጽ 3-7)። ነቲ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን ምስ ሓደ ሓድሽ ተመሃራይ ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ብምጥቃም እተረኽበ ተመክሮታት ኣዘንቱ።
10 ደቒቕ:- ሓጋዚ ፓይነር ምዃን በረኸት የምጽእ። (ምሳ. 10:22) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ብኸመይ መደባቶም ከም ዚሰርዑ: እንታይ ሓጐስን በረኸትን ድማ ከም ዝዓጸዱ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ኪዀኑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ብጸሎት ኪሓስቡሉ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን