ሕቶታት ብምሕታትን ጽን ኢልካ ብምስማዕን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ብዙሓት ሰባት ሓሳባቶም ኪገልጹ ዚደልዩ እኳ እንተዀኑ: ከም ዘይፈልጡ ጌርካ ኽትምህሮም ወይ ድማ ብሕቶታት ጌርካ ኸተዋጥሮም ግን ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ: ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን ሕቶታት ተጠቒምና ሰባት ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ናይ ምግባር ክእለት ከነማዕብል ኣሎና።—ምሳ. 20:5
2 ሕቶታትና ሓሳባቶም ኪገልጹ ዚዕድም ደኣ እምበር ዜነኣእሶም ኪኸውን የብሉን። ሓደ ሓው ካብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግል ከሎ: “ሰባት ንሓድሕዶም ዚከባበሩሉ ግዜ ዚመጽእዶ ይመስለካ፧” ኢሉ ይሓትት እሞ ኣብቲ ዚወሃቦ መልሲ ተመርኲሱ ድማ: “ከምዚ ንምግባር እንታይ የድሊ ምበልካ፧” ወይ “ከምዚ ኽትብል ዝኸኣልካ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢሉ ይሓትት። ካልእ ሓው ድማ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኪህብ ከሎ ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪምስክር ከሎ: ውሉዳት ንዘለዉዎም ወለዲ: “ወላዲ ብምዃንካ ብፍላይ ደስ ዚብለካ ነገር እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ የቕርብ። ቀጺሉ ድማ: “ቀንዲ ዜተሓሳስበካ ነገር እንታይ እዩ፧” ኢሉ ይሓትት። እዚ ሕቶታት እዚ ሰባት ከይተሸቝረሩ ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ዚገብር ምዃኑ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። ኵነታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺፈላለ ስለ ዚኽእል: እንሓቶ ሕቶታትን እንሓተሉ ኣገባብን ኣብ ዞባና ንዘለዉ ሰባት ከም ዚሰማማዕ ክንገብሮ ኼድልየና እዩ።
3 ሰባት ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ምግባር:- ሰባት ሓሳባቶም ኬካፍሉኻ ፍቓደኛታት እንተደኣ ዀይኖም: ብዘየድሊ ነገራት ዘረባኦም ከይኰለፍካ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። (ያእ. 1:19) ንሓሳባቶም ብሕያውነት ኣፍልጦ ሃበሉ። (ቈሎ. 4:6) “ሓሳባትካ ስለ ዘካፈልካኒ አመስግነካ” ኽትብሎም ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ካብ ልቢ ንኣዶም። እንታይ ከም ዚሓስቡን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዖምን ዝያዳ ንምፍላጥ ብሕያውነት ተወሳኺ ሕቶታት ሕተቶም። ዜሰማምዓኩም ነጥብታት ኣናዲ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኸተንብበሎም እንተደኣ ደሊኻ: “ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሲብካላዶ ትፈልጥ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ደረቕ ወይ ተኻታዒ ኣይትኹን።—2 ጢሞ. 2:24, 25
4 ሰባት ንሕቶታትና ዚምልስሉ መገዲ ብዓብዪኡ ኣብቲ እንሰምዓሉ ኣገባብ እተመርኰሰ እዩ። ብቕንዕና ንሰምዖም ምህላውናን ዘይምህላውናን ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ: “ንሰባት ብዓቕሊ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ናባኻ ኸም ዚሰሓቡ ንምግባር ሓያል ጽልዋ ኺህልዎን ኣባታቶም ድማ ምዉቕ ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዘለካ ኼርእን ይኽእል እዩ” በለ። ጽን ኢልካ ምስማዕ: ንኻልኦት ከም እነኽብር ዜርእን ነቲ ኸነካፍሎም ደሊና ዘሎና ብስራት ኪሰምዑ ኼለዓዕሎምን ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:10