ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ንሰባት ፍቕራዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ከም ዝግደስ ኣርኣየ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ብዅነታቱ ተሸቝሪሩ ንዝነበረ ጽሙም ሰብኣይ ምስ ኣስተብሃለሉ፡ ካብቶም እኩባት ሰባት ፈልዩ ንበይኑ ገይሩ ኣሕወዮ። (ማር. 7:31-35) ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዓቕሞም ኣብ ግምት ብምእታውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ሓበሬታታት ብዘይ ምሃብን ሓልዮት ኣርኣዮም። (ዮሃ. 16:12) ብዘይካዚ፡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዜርኢ ኣረጋጊጹ እዩ። (2 ጢሞ. 4:17) ንሕና እውን ከም ሰዓብቱ መጠን ንዕኡ ኽንመስል ኢና እንደሊ። (1 ጴጥ. 2:21፣ 1 ዮሃ. 3:16, 18) ንኣብነት፡ ንሓደ በዓል ቤት ብዛዕባ ዘለዎ ፍሉይ ዅነታት ኰነ፡ ብዛዕባ ዜገድሶን ዜተሓሳስቦን ነገራት ብምስትውዓል ሓልዮትና እንተ ኣርኢናዮ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ናብ ቤቱ መምጽኢና፡ መልእኽቲ ንምብጻሕ ወይ ጽሑፋት ንምዝርጋሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብብሕቱ ንግደሰሉ ምዃንና እንተ ኣስተውዒሉ ንኺሰምዓና ብዝያዳ ኺድረኽ እዩ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ምስ መገላግልትኻ ዄንካ፡ ንኣቀራርባኻ ምስቲ በዓል ቤት ዚብሎ ኸም ዚሰማማዕ ጌርካ ኸተቕርቦ ተለማመደሉ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ኣኼባታት ወፍሪ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ከመይ ጌርና ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ኸም እንኽእል ኬመያይጥ ወይ መርኣያ ኬቕርብ ይኽእል እዩ።