ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/05 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 19 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 26 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 2 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 12/05 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 3 (32)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት (ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ:) ነተን ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን 8 ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: ኣብ ኣቀራርባና ኸመይ ጌርና ጥቕሲ ብቐሊሉ ኽንጥቀም ከም እንኽእል ግለጽ።

15 ደቒቕ:- “እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል ዚሕግዘና ቤት ትምህርቲ።” በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዚቐርብ መደረ። ካብቲ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ናብ ህይወት ዚመርሕ ትምህርቲ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኻብ መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ንኺገልጹ ኣቐዲምካ ኣዳሉ።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 9 (37)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ተዓጻጻፊ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።”ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ኣስፋሒ ኣቀራርባኡ ምስቲ እቲ ብዓል ቤት ዚህቦ ሓሳባት ብኸመይ ኬሰማምዖ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።

25 ደቒቕ:- “ውሉድካ ብሱል ውሳነ ኺገብር ይኽእልዶ፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብሽማግለ ዚቐርብ። ንነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ሓደ ጽቡቕ ዜንብብ ሓው ዓው ኢሉ ኸም ዜንብቦ ግበር። ንዅሉ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ተመያየጡሉ። ንቝጽሪ 2 ምስ ተመያየጥኩምላ: ነቶም ኣብ ናይ 12/112 ግምቢ ዘብዐኛ ቝጽሪ 16-17 ኸምኡውን ኣብ ገጽ 17 እትርከብ ሳጹን ዘሎ ዅነታት እቶም ክልተ መንእሰያት ኣነጻጽርዎ። ኣብ መወዳእታ: ወለዲ ንዅላ እታ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኬንብብዋን ቀልጢፎም ምስ ደቆም ብዛዕባ እቲ ንደም ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትእዛዝ ብምምይያጥን ልምምድ ብምግባርን ብዛዕባ እምነቶም ብምትእምማን ኪገልጹ ኼዕጥቕዎም ኣተባብዓዮም። ርእሲ ስድራቤታት ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ውሉዶም ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ከም ዝሓዘ: ዘይተጠምቀ እንተ ዀይኑ ድማ ወረቐት መንነት ከም ዘለዎ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ሆስፒታል ምስ ዚኣቱ እሞ ደም ናይ ምምሕልላፍ ጕዳይ ምስ ዚለዓል: ሽማግለታት ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ ምስቲ ኣብታ ዓዲ ዘሎ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ኺራኸቡ ኣለዎም።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ናይ ጉባኤ ኣኼባ እትገብሩሉ ሰዓታት ኪልወጥ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ እተለወጠ ሰዓታት ሓብሮም። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣበይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ድማ ሓብሮም። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት (ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ): ነተን ናይ 15 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን 22 ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ።

15 ደቒቕ:- ትሕትና ልበሱ። ኣብ ናይ መስከረም 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 እተመስረተ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

20 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26 (212)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ካብቲ ኣብ ናይ መስከረም 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

8 ደቒቕ:- ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምና ንምምርማር እተገብረ ሓድሽ ምድላው። ካብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ዓንቀጽ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ከልስ። ነቲ ቐጺሉ ዚቐርብ ናይ ወረዳ ኣኼባን ፍሉይ ናይ መዓልቲ ኣኼባን ዚኸውን ናይ ድግማ ሕቶታት ኣብ ናይ መስከረምን ጥቅምትን 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታም ብተኸታታሊ ቐሪቡ ኣሎ። እዚ ኣኼባታት እዚ መዓስ ከም ዚውሰድ ክትጠቅስን መዘኻኸሪታት ኪሕዙ ኸተተባብዖምን ትኽእል ኢኻ።

17 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ