ተዓጻጻፊ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ብስራት ኪሰብኽ ከሎ ንመበቈልን ኣተሓሳስባን ሰማዕቱ ኣብ ግምት የእቱ ብምንባሩ: ንዓና ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና። (1 ቈረ. 9:19-23) ንሕናውን ከምኡ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና። ሕጽር ዝበለ ምድላው ብምግባር: ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ኣቀራርባ ምስቲ ኣብ ዞባና ንዚርከቡ ሰባት ዜገድሶም ነገራት ከነሰማምዖ ንኽእል ኢና። ናብ ሓደ ቤት ክንቀርብ ከለና: እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እንታይ ከም ዚግደስ ዚሕብር ነገራት ምስ እነስተብህል: ነዚ ኣብ ኣቀራርባና ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎትና ተዓጻጸፍቲ ኽንኰነሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እውን ኣሎ።
2 ኣቀራርባኻ ምስቲ ብዓል ቤት ዚህቦ መልሲ ኣሰማምዓዮ:- ንሰባት ብስራት ክንነግር ከለና: መብዛሕትኡ ግዜ ሕቶ ብምሕታት እቶም ሰብ ቤት መልሲ ኺህቡና ንጽበ ኢና። ነቲ መልሲ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ነቲ መልሲ ንማለቱ ተቐቢልካ ናብቲ ተዳሊኻሉ ዝመጻኻ ኣቀራርባ ዲኻ እትቕጽል፧ ወይስ ዘረባኻ ርእይቶ እቶም ሰብ ቤት ኣብ ግምት ከም ዘእተኻ ዜርኢ እዩ፧ ካልኦት ንዚብልዎ ነገራት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ተርኢ እንተደኣ ዄንካ: ተወሳኺ ሕቶታት ብሜላ ተጠቒምካ ኣብ ኣእምሮኦም እንታይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 20:5) በዚ ኸምዚ ኣብቲ ነቲ ሰብ ብፍላይ ዜገድሶ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከተተኵር ትኽእል።
3 እዚ ኻብቲ ንሕና ኽንመያየጠሉ ተዳሊና ዝመጻና ነገራት ወጻኢ ንምዝራብ ፍቓደኛታት ምዃን ዚሓትት እዩ። ዘረባና ኣብ ዜና ብዛዕባ ዝሰማዕናዮ ሽግር ሓሳባት ብምሃብ እንተ ጀሚርና እሞ: እቲ ብዓል ቤት ከኣ ዜተሓሳስቦ ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ወይ ንዕኡ ዘጋጠሞ ነገራት እንተ ጠቒሱ: እቲ ነቲ ብዓል ቤት ዜድልዮ ንምምላእ ዘሎና ናይ ሓቂ ተገዳስነት: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ኣብቲ ዝያዳ ዜገድሶ ነገራት ከም ዜተኵር ንኽንገብሮ ኼለዓዕለና እዩ።—ፊል. 2:4
4 ኣቀራርባና ምስቲ ዅነታት ምስምምዑ:- እቲ ብዓል ቤት ሕቶ እንተ ሓቲቱ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ካልእ ግዜ ምርምር ምስ ገበርና ኽንመያየጠሉ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ጕዳይ ብዕምቈት ዚገልጽ ጽሑፋት እውን ክንህቦ ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጡ ንምሕጋዞም ናይ ሓቂ ድሌት ከም ዘሎና እዩ ዜርኢ።—2 ቈረ. 2:17