ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/05 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 8 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 15 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 22 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 29 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 5 መስከረም እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 8/05 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

መዘኻኸሪ:- ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ እዋን: ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዚኸውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ሒዛ ኽትወጽእ እያ። ጉባኤታት ኣብቲ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ዝካፈላሉ ግዜያት እቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና መደባት ንኸይሓልፈን ዜድሊ ምትዕርራያት ኪገብራ ይኽእላ እየን። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣብታ ቐቅድሚ እታ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ምውሳድኩም ዘላ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ 15 ደቒቕ ዚኸውን ግዜ ወሲድኩም: ነቲ ኣብዛ ናይዛ ወርሒ እዚኣ እታው ዘሎ ገጽ 3ን 4ን ነቲ ኸባቢ ዚኸውን ምኽርታትን መዘኻኸሪታትን ንምድጋም ተጠቐሙሉ። ድሕሪ እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ጸኒሕኩም: ካብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ 15 ወይ 20 ደቒቕ ዚኸውን ግዜ (ምናልባት ኣብቲ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ዚብል ክፍሊ): ነቲ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኣብ ኣገልግሎት ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ንምድጋም ተጠቐሙሉ። ነዚ ምይይጥ እዚ ምእንቲ ኽንዳለወሉ: ኵላትና ኣብ ኣገልግሎትና ኽንጥቀመሉ እንደሊ ጠቓሚ ነጥብታት ክንጽሕፍ ንኽእል ኢና። እቲ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ነቲ ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እተመሃርናዮ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኸም ዘለናን እዚ ነገልግሎትና ብኸመይ ዝያዳ ኣስላጢ ኪኸውን ከም ዝሓገዘን ንምግላጽ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ። ገሊኦም ነቲ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እተዋህበ ጽቡቕ መምርሒታት ከመይ ገይሮም ብጽቡቕ ከም እተጠቕሙሉ ምስማዕ ዚሃንጽ እዩ። ካልኦት ነቲ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዝቐረበ ምኽርን ሓሳባትን ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ድማ ኬተባብዖም እዩ።

8 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት።

10 ደቒቕ:- “ንናይ ዕድመ ወረቐት ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧” መደረን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ: ናይ ዕድመ ወረቐት ብምጥቃሞም ዝረኸብዎ ጽቡቕ ፍረ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ብናይ ዕድመ ወረቐት ንኣኼባ ኺዕድሞ ኸሎ ዘርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።

25 ደቒቕ:- “እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!”* ሓደ ወይ ክልተ ስርዓታውያን ፓይነራት: ፓይነር ንምዃን እንታይ ምትዕርራያት ከም ዝገበሩን ከም ውጽኢቱ ድማ እንታይ በረኸታት ከም ዝዓጸዱን ንኺገልጹ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም።

መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 8 (53)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- ትዝክሮዶ፧ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ግብራዊ ኣወዓዕላ እታ ጽሕፍቲ ኣጕልሕ። ኵሎም ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ተጠንቂቖም ኬንብብዎ ኣተባብዓዮም።

20 ደቒቕ:- “ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር።”* ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ኻብ ብሮሹር ብቕዓት ሓደ ወይ ክልተ ቝጽሪ ጥራይ ተጠቒምካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ከም እትኽእል ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ኣንብብ።

20 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ኣመስግንዎ።” ብናይ ጉባኤ ጸሓፊ ዚቐርብ። እታ ጉባኤ እተመደበትሉ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ጥቐስ። ነቲ ቝጽሪ እተዋህቦ ሕጡብ ጽሑፍ: በቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚጽንዓሉ መገዲ ጌርካ ኣቕርቦ። ብሓደ እተመደበ ኣንባቢ ጌርካ ኻብ ቍጽሪ 3 ክሳዕ 7 ኸም ዚንበብ ግበር።

17 ደቒቕ:- “ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ መሰል እዩ።”* ንቍጽሪ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እርጋን ወይ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣዝዩ ድሩት ዓቕሚ ዘለዎም ኣሕዋት ንምሕጋዝ ተባሂሉ 15 ደቒቕ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ንምሃብ ዜኽእል ፍሉይ ምድላዋት ጥቐስ።—ናይ ጥቅምቲ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 ቝ. 6 ርአ።

መዝሙር 25 (204)ን መዕጸዊ ጸሎትን

29 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

10 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ንሓደ መጽሔት ብቐጻሊ እተብጽሓሉ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።

15 ደቒቕ:- “ብዘይ ቃል ምምስካር።”* ነቲ ጽቡቕ ጠባይ ህዝቢ ኣምላኽ ብምዕዛብ ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ኣስፋሕቲ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

20 ደቒቕ:- ኣብ ናይ መጀመርታ ርክብካ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ቝ. 2 ዘሎ ነቲ ሰብ ብቕልጡፍ ናብ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜቕልብ ክትገብር ከም እትኽእል ዚገልጽ ሓሳባት ኣቕርብ። ሓደ ወይ ክልተ ኻብቲ መእተዊታት በቲ ኣብ መስከረም ዚዕደል ጽሑፋት ጌርካ ብኸመይ ከም እትጥቀመሎም ብመርኣያ ኣቕርብ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ እውን ክትመያየጠሉን ብመርኣያ ኸተቕርቦን ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን

5 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት: ከምኡውን “ናይ ኣውራጃ ኣኼባ መዘኻኸሪታት።”

15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—መበል 12 ክፋል።”* ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ምምራሕን እንታይ ከም ዝሓገዞም ኪገልጹ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም።

20 ደቒቕ:- ንኣረጋውያን ንምሕጋዝ ምድላዋት ምግባር። ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9 (እንግሊዝኛ) “ምድላዋት ምግባር ኣድላዪ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ። ንዝሓመሙን ብዕድመ ዚደፍኡን ንምሕጋዝ ኣብታ ጉባኤ እተገብረ ምድላዋት ጥቐስ።

መዝሙር 19 (164)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ