ኣብ ዓብዪ ማሕበር ንየሆዋ ኣመስግኖ
1, 2. ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧ ነዚ ኽንፍጽመሉ እንኽእል ሓደ መገዲኸ እንታይ እዩ፧
1 እቲ ኣብ ዓዓመት ዚግበር ናይ ኣውራጃ ኣኼባና ንየሆዋ ንኸነኽብሮ ብሉጽ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምቲ “ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ: ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ” ኢሉ ዝዘመረ ዳዊት እዩ ዚስምዓና። (መዝ. 35:18) ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ: ከም ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ መጠን ንየሆዋ ውዳሰ ኸነምጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ በካይዳና እዩ። ኣመሓደርቲ ናይ ሓደ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ መአከቢ ኸምዚ በሉ:- “ኣብ ኣኼባታትኩም ብምምርኳስ: ንኻልኦት ነዚ መአከቢ ኺካረዩ ዚደልዩ ጕጅለታት ሃይማኖት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጐድሎ ዘይብሉ ምድላው ስለ ዚገብሩ: ብኸመይ ኣኼባ ኸም ዚገብሩ መጺኦም ኪርእዩ ነጊርናዮም ኣሎና።” ነፍሲ ወከፍና ብትርኢትናን ብምትሕብባርናን በካይዳናን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዚግብኦ ውዳሰ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 2:12
3, 4. ትሕትና ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዀነ ድሕሪኡ ንክርስትያን ኣገልገልቲ ኸም ዚግባእ ጌርና ንኽንክደን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
3 ብሕታዊ ትርኢትና:- ኣከዳድናናን ትርኢትናን ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ንኪኸውን ትሕትና ኽትህልወና ኣለዋ። (1 ጢሞ. 2:9 ትርጕም 1990) እታ ሚኒስትሪ ስኩል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ኣብ ገጽ 132 “ሓደ ትሑት ሰብ ንኻልኦት ብዘይጠቅም ንኸየጕህዮምን ዘይግቡእ ኣቓልቦ ንኸይስሕብን ይጥንቀቕ እዩ” ትብል። ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ዘይግቡእ ክዳውንቲ ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ንዕኡ ብዚግባእ ንምውካል እትገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ግብ. 15:14) እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዋላ እውን ኣብ ስፖርታዊ ማእከል ወይ ካልእ መዘናግዒ ቦታታት ዚግበር እንተዀነ: ኣብተን እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረለን ሰለስተ መዓልትታት ግን “ዓብዪ ማሕበር” ኢና እንኸውን። ስለዚ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽንእከብ ከለና: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ፈጣሪ ዚበቅዕን ክብሪ ዘለዎን ኣከዳድና ኺህልወና ኣለዎ።—1 ዜና 29:11
4 ድሕሪ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዚህሉ ኣኼባ እውን ንትርኢትና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ እንዘናግዓሉ እዋን ወይ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ እንምገበሉ እዋን ምሹእ ክዳውንቲ ኽንክደን ንደሊ እኳ እንተ ዀንና: ኣከዳድናናን ትርኢትናን ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለዎም ከም ዚግባእ’ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:10) ግቡእ ኣከዳድና በቲ ኣብ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ኣከዳድና ጌርካ ኣይኰነን ዚውሰን። (1 ዮሃ. 2:16, 17) ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ንሰብኡትን ነንስትን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት: ትሕትና ዘለዎ ግቡእ ኣከዳድና ኸመይ ምዃኑ ዜርኢ ሓጋዚ ስእልታት ኣለዎ። ኣብታ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረላ ኸተማ ኣብ እንጸንሓሉ እዋን ባጅ ካርድ ምልጣፍና: ኣብ ኵሉ እዋን ክርስትያን ኣገልገልቲ ምዃንና ንኽንዝክር ኪሕግዘና እዩ።—2 ቈረ. 6:3, 4
5. እቶም ብግዜ እዝራ ዝነበሩ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧
5 ንመኣዲ የሆዋ ኣኽብሮ:- ብግዜ ጥንቲ: እዝራ ነቲ ህዝቢ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬንብበሉ ምስ ተዳለወ: እቲ ህዝቢ ነቲ ትምህርቲ ኻብ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ሃንቀውታን እተላዕለ “ደው በለ።” እዝራ ኼንብብ ከሎ ድማ: “ኣእዛን ኵሉ እቲ ህዝቢ . . . ጽን ይብል ነበረ።” (ነህ. 8:3, 5, 6) የሆዋ ይዛረቦም ከም ዘሎ ኣስተውዓሉ: እዚ ኸኣ ብኣኽብሮት ጽን ኢሎም ንኺሰምዑ ሓገዞም። ንሕናኸ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባታትና ብተመሳሳሊ ንድረኽ ዲና፧
6, 7. ነቲ መንፈሳዊ መኣዲ የሆዋ ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት: ድግስ ኣዳልዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 25:6፣ 1 ቈረ. 10:21) ነቲ ኣብ መንፈሳዊ መኣዲ የሆዋ ዘሎና ቦታ ኣኽቢርና ንርእዮ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ሰለስቲአን እተን ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረለን መዓልትታት ከይንበኵር ሸቶ ንገብር ኢና። ብዛዕባ እትሓድረሉ ቦታን እትጐዓዘሉ መጓዓዝያን ካብ ስራሕ ዕረፍቲ እትወጸሉ እዋንን ምድላዋት ጌርካዶ፧ ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኣንጊህካ ብምብጻሕ ኮፍ መበሊ ምእንቲ ኽትረክብ: ምስ ኣሕዋትካ ምእንቲ ኸተዕልል: ከምኡውን ብመኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ኣቢልካ ሓቢርካ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትውድስ: ንምድላውን ንጕዕዞን ዚኣኽለካ ግዜ መዲብካዶ፧—መዝ. 147:1
7 ንመኣዲ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት: ነቲ ትምህርቲ ጽን ኢልና ንኽንሰምዖ: ብዘይረብሕ ምኽንያት ምስ ካልኦት ንኸይንዘራረብ: ኣብ መንጎ ንኸይንበልዕ: ወይ ኣብቲ ቦታ ንኸይንዛወር ይድርኸና እዩ። የሆዋ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ: ንሕጂ ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ ኣዳልዩልና ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ዋላ ሓደ ኻባና እዚ ኼምልጦ የብሉን። ወለዲ ምስ ደቆም ኮፍ ኪብሉ: ካብቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙ ድማ ኪሕግዝዎም ኣለዎም።—ዘዳ. 31:12
8. ኣብ እዋን ምሳሕ እንታይ ክንገብር ኢና መምርሒ ተዋሂቡና ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧
8 ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ መታን ከይንርሕቕ: ምሳሕና ሒዝና ኽንመጽእ መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ። ኣብ ናይ ዓሚ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ብዙሓት ተኣከብቲ ነዚ መምርሒ እዚ ተጠንቂቖም ምስዓቦም ዚነኣድ እዩ። ሎም ዘመን ድማ ኵላትና ኸምኡ ኽንገብርሲ ኽሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! (እብ. 13:17) እዚ ምድላው እዚ ምስ ኣሕዋትና ሃናጺ ምቅርራብ ንኺህልወና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና: ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ሓድነትን ሰላምን ንኺሰፍን እውን ኣበርክቶ ይገብር።—መዝ. 133:1
9, 10. እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንየሆዋ ንምውዳስ ዜኽእለና እንታይ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት እዩ ዚኸፍተልና፧
9 ንእግረ-መገዲ ምምስካር:- ናብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኽንከይድን ክንምለስን ከለና: ንየሆዋ ብኸናፍርና ንኽንውድሶ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። (እብ. 13:15) ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ እንምገበሉ እዋን ኰነ ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ እንዘራረበሉ እዋን: ምስክርነት ንምሃብ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ነናዲ። ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን ኣእምሮናን ልብናን ብኽቡር መንፈሳዊ መዝገብ ኪምላእ እዩ። ነዚ ጽቡቕ ነገራት እዚ: ነቶም ንእግረ-መገድና እንረኽቦም ሰባት ንንገሮም።—1 ጴጥ. 3:15
10 ንየሆዋ “ኣብ ማሕበራት” ንኸነመስግኖ ዘሎና ኣጋጣሚ: ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። (መዝ. 26:12) ኣብቲ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ብሓድነት ንየሆዋ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ኣውራጃ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ:- እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. ኪጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ. ኪኽፈት እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሙ: መእተዊ ሙዚቃ መንግስቲ ኣምላኽ እናተሰምዐ እቲ ኣቦ መንበር ኣብቲ መድረኽ ኮፍ ኪብል እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር: ኣብቲ ግዜ እቲ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን ሰዓት 5:05 ድ.ቐ.: ሰንበት ከኣ ሰዓት 4:10 ድ.ቐ. ኺዛዘም እዩ።
◼ ደው መበሊ ማካይን:- ኣብ ኵሉ እቲ ደው መበሊ ማካይን እተፈቕደልና ቦታ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ መአከቢ: ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ባጅ ካርድ ነቲ ደው መበሊ ንምጥቃም ዚፍቀደሉ ሰብ መለለዪኡ ዀይኑ ኼገልግል እዩ። ኣብቲ ንስንኩላን እተሓዝአ ቦታ ደው ኬብሉ ዚፍቀደሎም: እቶም መንግስቲ ንስንኩላን ዚፈቕዶ ታርጋ ወይ ተለጣፊ ምልክት ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም። ደው መበሊ ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ: ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ: ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ።
◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ:- ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።
◼ ወፈያታት:- ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንምድላው ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚግበር። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ዝዀነ ይኹን ነቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ተባሂሉ ብቸክ ዚውፈ ገንዘብ ን“የይሖዋ ምሥክሮች” ዚኽፈል ተባሂሉ ኺጸሓፈሉ ኣለዎ።
◼ ምሳሕ:- ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ: በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ: ጠራሙዝ: ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
◼ ምቕዳሕ:- ዝዀነ ይኹን መቕድሒ መሳርሒ: ምስቲ ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ናይ ኤለክትሪክ ኰነ ናይ ድምጺ ገመድ ኪተሓሓዝ የብሉን። ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ጥራይ ከኣ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ።
◼ ምስኣል:- ፎቶግራፍ ክትስእል እንተደኣ ደሊኻ: ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ ማሕታ ኽትጥቀም ኣይግባእን።
◼ ሞባይል ተሌፎን:- እዚ ምእንቲ ኸይርብሽ ድምጹ ኺጠፍእ ኣለዎ።