ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/05 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 6/05 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- ለርን ፍሮም ዘ ግሬት ቲቸር ወይ ፍልጠት። ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት። መስከረም:- ንቑሕ ኩን!

◼ ቅዳሕ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓዙ። ንኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኹም: ናይ ለካቲት 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 5: ከምኡውን ናይ ሚያዝያ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹን ተወከሱ።

◼ እቲ ጸሓፊ ነቲ እቶም ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወለንተኛ ሰራሕተኛ መሕተቲ (S-82) ፎርም ዝመልኡ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዘለዉሉ ዅነታት ንኽፍሊ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬፍልጥ ኣለዎ። ኣብ ኵነታት እቲ ወለንተኛ ለውጢ ምስ ዚህሉ: ንኣብነት: ናብ ካልእ ቦታ ምስ ዚግዕዝ ወይ ከኣ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዀይኑ ምስ ዚምዘዝ: ሓድሽ ፎርም ብቕልጡፍ ተመሊኡ ኺለኣኽ ኣለዎ። ኣድራሻ እቲ ወለንተኛ ወይ ቍጽሪ ተሌፎኑ ምስ ዚቕየር: ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤኡ ጽቡቕ ኣቕዋሙ ሒዙ ምስ ዘይቅጽል: እቶም ሽማግለታት ብኡንብኡ ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬፍልጡ ኣለዎም። እቲ እተመልአ S-82 ፎርም ኣብ ናይ ጉባኤ ፋይል ኪተሓዝ ኣለዎ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ነታ ጉባኤ ምብጻሕ ኪገብር ከሎ ምእንቲ ኺርእዮ ድማ ኪወሃቦ ይግባእ።

◼ ካብ ሰነ ኣትሒዙ: ነቲ ን2005 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዜድሊ ባጅ ካርድ ምስቲ ጽሑፋት ኪለኣኽ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጉባኤኹም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ጕጅለ እንተ ዘየልያ: ነዚ ምሕታት ኣየድልየኩምን እዩ። ብመሰረት ብዝሒ ኣስፋሕቲ እታ ጉባኤ: እቲ ካርድታት በብናይ 25 ረባሕታ ኺለኣኽ እዩ። እታ ጉባኤ ተወሳኺ ባጅ ካርድ እንተ ደልያ: በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ክትሓትት ኣለዋ። ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ናይ ካርድ መትሓዚ ፕላስቲክ ዚደልዩ ኺሕተተሎም ኣለዎ።

◼ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ኵሎም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ኪሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተልዩ: እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ/ጸሓፊ ለውጢ ኣድራሻ ዚሕብር (S-29) ፎርም መሊኡ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብቕልጡፍ ኪልእኾ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቍጽሪ ተሌፎን ዚግበር ለውጢ እውን ዜጠቓልል እዩ።

◼ ምስቲ መንግስቲ ንዓለማዊ ማሕበራት ዚጥቀመሉ መምርሒታት ብምስምማዕ: ኣብ ሕጋዊ እንመሓደረሉ ደንቢ እተወሰነ ለውጥታት ተገይሩ ኣሎ። እዚ ንኣሰራርሓ ቲኦክራሲያዊ ማሕበርና ዚትንክፍ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብሕጋዊ እንጽውዓሉ መጸውዒና ግን ብእንግሊዝኛ ይኹን ብኣምሓርኛ “የይሖዋ ምሥክሮች” ዚብል ኰይኑ ኣሎ።

እቲ እንመሓደረሉ ደንቢ ኸም ዕላማ ማሕበርና ገይሩ ኻብ ዚጠቕሶ ነጥብታት:- “ነዚ ቐጺሉ ተጠቒሱ ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ምሉእ ብምሉእ ሃይማኖታዊ ዕላማታት ጥራይ ንምፍጻም እዩ ተመስሪቱ:- ካብ ቤት ናብ ቤትን ካብ ቦታ ናብ ቦታን እናኸድካ ስም የሆዋ ኣምላኽን ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ዚምራሕ ‘ወንጌል መንግስቲ’ ኣምላኽን ብምስባኽ: ብዛዕባ ስም የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ቓሉን ብዛዕባ ልዑላውነቱን ምምስካር፣ ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ድማ ብቓልን ብጽሑፍን ሃይማኖታዊ ዕላማ ንምክያድ ብዚሕግዝ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ሜላታትን ብምጥቃም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ምዝርጋሕ፣ (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20)”

ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ኻብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚለኣኽ ደብዳበታት ዘሎ ኣርእስቲ ዀነ ኣብ ማሕተም ምትዕርራያት ክትርእዩ ኢኹም። እታ “የይሖዋ ምሥክሮች” እትብል ስም ኣብ ሕጋዊ ሰነዳት ክንጥቀመላ ኢና። ካብ ሕጂ ንደሓር ከኣ ብባንክ ገንዘብ ከተመሓላልፉ ኸለኹም “የይሖዋ ምሥክሮች” ዚብል ኣድራሻ ኽትጥቀሙ: ብሓደራ ዚለኣኽ ደብዳበ እውን በዚ ስም እዚ ኽትልእኩ ንምሕጸነኩም። ብዝተረፈ: ኣብ ኣድራሻ ዀነ ናይ ሕሳብ ቍጽሪ ለውጢ የልቦን። (ሕጋዊ ትካላት ብዛዕባ ዘለወን ግደ ብዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኹም: ናይ 15 ጥሪ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 ተወከሱ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ