ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ሰነ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 2 ግንቦት ክሳዕ 27 ሰነ 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥቢ
1. ናብ ሰማዕቲ ብምጥማት ርክብ ምግባር እንታይ ማለት እዩ፧ [ht ገጽ 42 ቍ. 2-3]
2. እተዋጽአ ጽሑፍ ተጠቒምካ ዝርርብ ምሃብ ክትለማመድ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 44 ቍ. 10Adj.]
3. ኣብ ንባብ ሰጋእ መጋእ ምባል ከተወግድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ [ht ገጽ 47 ቍ. 7]
4. ውህደት ዘለዎ ዝርርብ ንምቕራብ እንታይ የድሊ፧ [ht ገጽ 53 ቍ. 2]
5. ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢልና ኸነንብብ ከለና: ብናትና ቓላት ጌርና ዝርርብ ንህብ ከም ዘለና ኸም ዚመስል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 50 ቍ. 21]
ክፍሊ ቝ. 1
6. ንደቅኻ ብዛዕባ ምምሃር ዚምልከት ኣብ ቃል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ መምርሒ እዩ ዘሎ፧ [w03 15/3 ገጽ 12 ሕጡብ ጽሑፍ 2፣ ገጽ 14 ሕጡብ ጽሑፍ 4Adj.]
7. የሆዋ ንዳዊት ገና ብንእስነቱ እተገደሰሉ ብኸመይ እዩ፧ ዳዊትከ ብግዲኡ ኣብ የሆዋ ተገዳስነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ [w03 15/4 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 3Adj.፣ ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
8. የሆዋ በቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ እተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ የረጋግጸልና፧ (ዘፍ. 4:4) [w03 1/5 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4-ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
9. ኣብ ምሳሌ 3:11 ተገሊጹ ዘሎ ኽንንዕቆ ዘይብልና “ተግሳጽ እግዚኣብሄር” እንታይ እዩ፧ [w03 1/10 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
10. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8 “ይኣኽለኒ ምባል” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ [w03 1/6 ገጽ 9 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2፣ ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ኣብ መንጎ ዮናታንን ዳዊትን እተራእየ ማእሰር ፍቕሪ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧ (2 ሳሙ. 1:26) [w 1/1/110 ገጽ 23 ቍ. 13Adj.]
12. ካብቲ ዳዊት ኣብቲ ቐዳማይ እግሩ ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኪመልሶ ኸሎ ዘጋጠመ ዅነታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ሳሙ. 6:2-9)
13. ኣብ ዘዳግም 24:16 ኸምኡውን ህዝቅኤል 18:20 ውሉድ ብሰንኪ ኣበሳ ወላዲ ኺመውት ከም ዘይብሉ እናገለጸ ኽነሱ: ዳዊትን ባትሴባን ድሕሪ ምሕጥኦም ዝወለድዎ ቘልዓ ዝሞተ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 12:14፣ 22:31)
14. እቲ ጺባ ብዛዕባ መፊቦሸት እተዛረቦ ነገር ሓሶት ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (2 ሳሙ. 16:1-4)
15. መፊቦሸት ነቲ ጺባ ዝገበሮ ነገር ዝሃቦ ምላሽ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 19:24-30)