መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓም.
“ሓያሎ ሰባት ጸገማት ኬጓንፎም ከሎ ‘እምበርዶ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ እዩ: ንዝወርዶም መከራኸ እምበርዶ የስተብህለሉ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ሎሚ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝሓልየልናን ንዅሉ ስቓይ ደቅሰብ ዘወግደሉ መሰረት ብኸመይ ከም ዘዳለወን ትነግረና እያ።” ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።
Awake! July 8
“ሓያሎ ሰባት: ዕድመ ኰተቴ ናይ ሓጐስን ጸገማትን እዋን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ: ነዝስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ዜሕልፍዎ ለውጥታት ትገልጽ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንንእስነቶም ብዝበለጸ ንኺጥቀምሉ ኺሕግዞም ዚኽእል ጥበባዊ ምኽሪ እውን ሒዛትሎም ኣላ።” መክብብ 12:1
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሓም.
“ኣብዚ እዋን እዚ ኸምዚ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ [ኣብ ገበር ዘሎ ስእሊ እናኣርኣኻ] ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብ ዜና እንተ ዚንገር ነይሩ: ሓያሎ ሰባት ንምእማኑ መጸገሞም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ማርቆስ 4:39 ኣንብብ።] እቲ ብየሱስ እተፈጸመ ተኣምራት ቅኑዕ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ: ነዛ ሕቶ እዚኣ ትምልሳ እያ።”
Awake! July 22
“ኣብዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ዓለም: ዓመጸኛታት ሰባት ንገርህታት ንምትላል እተፈላለየ ሜላታት ይምህዙ ኣለዉ። እዝስ የገድሰካ ድዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኻብ መታለልቲ ኽንጥንቀቐሉ እንኽእል ገለ መሰረታዊ ነጥብታት ትገልጸልና እያ።” ምሳሌ 22:3 ኣንብብ።