ናይ 2005 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 2005 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኺካየድ ከሎ እዚ ዚስዕብ ምድላዋት ኪህሉ እዩ።
እቲ ኽፍልታት ዚምስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w]: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት [ht]: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ [bsi05]: ከምኡውን ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ [td] ኪኸውን እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ኺጅምር ኣለዎ። ድሕሪኡ በዚ ዚስዕብ ይቕጽል:-
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- 5 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እቲ ሓጋዚ መኻሪ: ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ኣብታ ክእለትካ እተመሓይሸሉ ዘርእስታ መምሃሪት ጽሕፍቲ ተመርኲሱ ብዛዕባ ሓደ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ይገልጽ። (ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ።)
ክፍሊ ቍ. 1:- 10 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺወሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት: ወይ ከኣ ኣብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ ዘርእስታ ጽሕፍቲ እተመስረተ ይኸውን። ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ኰይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ኪቐርብ ይግብኦ። ዕላማኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዚጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ግብራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዚዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሓው ነቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ኺጥቀም ኣለዎ። እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ኺህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኺሕልዉ ጥንቃቐ ኺገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ ምስ ዚኸውን ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃብ ይከኣል እዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት:- 10 ደቒቕ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ደቒቕ: ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነቲ ኽፍሊ ምስታ ጉባኤ ብዚሰማማዕ መገዲ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ናይቲ ኣብታ ሰሙን እተመደበ ንባብ ሓሳብ ኪህብ ይኽእል እዩ። እዚ ናይቲ ንባብ ድግማ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ዕላማኡ: ሰማዕቲ ነቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚጠቕሞም ምእንቲ ኺግንዘብዎ ንምሕጋዞም እዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ንመእተዊ እተመደበሉ ሽዱሽተ ደቒቕ ከየዛይድ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ሰማዕቲ ሓሳቦም ዚህቡሉ ኣርባዕተ ደቒቕ ኬትርፍ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተረድእዎ ነገራትን ዝረኸብዎ ጥቕምታትን ሕጽር ዝበለ ሓሳባት (ን30 ካልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንኺህቡ ኺዕደሙ ኣለዎም። ድሕሪኡ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቶም ኣብ ካልእ ኣደራሽ ክፍሊ ኬቕርቡ እተመደቡ ተመሃሮ ኪኸዱ ኸም ዚኽእሉ ይሕብሮም።
ክፍሊ ቍ. 2:- 4 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሓው ዚቐርብ ንባብ እዩ። እቲ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚኸውን። ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ሓሳባት ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኺንበብ እዩ። እቲ ተመሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ኬንብብ ኣለዎ። እቲ ዚንበብ ክፋል ወትሩ ማዕረ ኪኸውን ዘይክእል እኳ እንተዀነ: እቲ ንባብ ካብ ኣርባዕተ ደቒቕ ኪዛይድ ግን የብሉን። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነዚ ኽፍሊ እዚ ዕድመን ክእለትን ተመሃሮ ኣብ ግምት ብምእታው ምእንቲ ኺምድቦ ኣቐዲሙ ኺርእዮ ኣለዎ። እቲ ተዓዛቢ ነቲ ተመሃራይ ብዝርዳእ መገዲ: ብምልከት: ብግቡእ እናጕልሐ: ድምጺ እናለዋወጠ: ብግቡእ እናዕረፈ: ከምኡውን ባህርያዊ ገይሩ ዜንብብ እንተ ዀይኑ ይርእዮ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዚወሃብ እዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተቕርብ ተመሃሪት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትገብር ዘላ ዀይና ኸተቕርቦ ትኽእል እያ። ከከም ዚጥዕማ ደው ወይ ኮፍ ኢላውን ከተቕርቦ ትኽእል እያ። ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ: ኣብቲ ዞባ ኼጋጥምን ግብራዊ ኪኸውንን ብዚኽእል መገዲ ገይራ ድማ ተቕርቦ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ክትዳሎ ኣለዋ። ሓደስቲ ተመሃሮ እቲ ዚውከሳሉ ጽሑፍ እተሓበሮ ኽፍልታት ኪወሃበን ኣለዎ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እታ ተመሃሪት ብኸመይ ክፍላ ኸም ዘቕረበትን ነታ ብዓልቲ ቤት ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይራ ኣገዳሲ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዘረድኣታን ብፍላይ የተኵረሉ። እታ እዚ ኽፍሊ እዚ ዚወሃባ ተመሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ይግባእ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። እቲ ተመሃራይ (ተመሃሪት) ኣብቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኽፍሊ የዳሉ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ኪዳሎ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ ንሓደ ሓው ኪወሃቦ ኸሎ: እቲ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከም ዝርርብ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዚወሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነቲ ኽፍሊ ቍ. 4 ንሓደ ሓው ኪህቦ ይኽእል እዩ። እቲ ኰዀብ ዚመስል ምልክት ዘለዎ ኽፍልታት ነሕዋት ጥራይ ኪወሃብ ከም ዘለዎን ብዝርርብ መልክዕ ኪቐርብ ከም ዚግባእን ኣይትረስዕ።
ግዜ:- እቲ ዚቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ዚወሃብ ምኽሪ ኻብቲ እተመደበ ግዜ ኺሓልፍ የብሉን። ካብ ክፍሊ ቍ. 2 ክሳዕ 4 ዜቕርቡ ተመሃሮ ግዜኦም ምስ ኣኸለ ንኼቋርጹ ብሜላ ምልክት ኪግበረሎም ኣለዎ። እቶም ነቲ ናይ ዝርርብ ነጥቢ: ክፍሊ ቍ. 1: ወይ ነቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ግዜ እንተ ኣሕሊፎም: ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃቦም ኣለዎ። ኵላቶም ግዜኦም ኪሕልዉ ይግባእ። መዝሙርን ጸሎት ከይሓወስካ እዚ ኽፍልታት እዚ ብጠቕላላ 45 ደቒቕ ይወስድ።
ምኽሪ:- 1 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ክፍሉ ምስ ኣቕረበ ኣብቲ ዚነኣደሉ መዳይ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ንምጥቃስ ካብ ሓደ ደቒቕ ዚዛይድ ግዜ ኺወስድ የብሉን። ዕላማ ናይዚ ‘ንፉዕ’ ኢልካ ንምንኣድ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣቀራርባ እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብንጹር ንምጥቃስ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ: ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ዜድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኺወሃቦ ይከኣል እዩ።
ሓጋዚ መኻሪ:- ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣካል ሽማግለታት ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዚሕግዞ ኽኢላ መኻሪ ይመርጹ። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ሽማግለታት እንተልዮም: ኣብ ዓዓመት ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓዪ ሽማግለ ኪቕየር ይከኣል እዩ። ናይዚ ሓው ሓላፍነት ነቶም ክፍሊ ቍ. 1 ከምኡውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ምሃብ እዩ። ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነዚ ዝርርባት ምስ ኣቕረቡ ዅሉ ሳዕ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን እዩ። እዚ ምድላው እዚ ኣብ 2005 ኪስርሓሉ እዩ: ድሕሪ ግዜ ድማ ኪተዓራረ ይከኣል እዩ።
ናይ ቃል ድግማ:- 30 ደቒቕ። ኣብ ከክልተ ወርሒ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናይ ቃል ድግማ ይመርሕ። ቀቅድሚኡ ግን ብዛዕባ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ዚገልጽ ክፍልን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታትን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ይቐርብ። እቲ ናይ ቃል ድግማ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ: እንተላይ ኣብቲ በታ ሰሙን እቲኣ ዚውሰድ ትምህርቲ እተመርኰሰ ይኸውን። ጉባኤኹም ኣብታ ናይ ቃል ድግማ እትግበረላ ሰሙን ናይ ወረዳ ኣኼባ ወይውን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ እንተልይዋ: ነቲ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 9 ዚርከብ መምርሒ ስዓብ።
መደብ
3 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 16-20መዝ. 4 (43)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ፍረ ዘለዎ: ብንጹር ዝቐረበ ዝርርብ (ht ገጽ 12 ¶1-ገጽ 13 ¶6)
ቍ. 1:- ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊታት (ht ገጽ 17 ¶1-ገጽ 18 ¶7)
ቍ. 2:- እያሱ 16:1–17:4
ቍ. 3:- td 22ለ ዘይሓልፍ ኣካላዊ ምሕዋይ እትገብር መንግስቲ ኣምላኽ እያ
ቍ. 4:- ሎሚ ሃብታም ወይ ድኻ ምዃን ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜርኢ ምልክት ድዩ፧
10 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 21-24መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕርብ (ht ገጽ 14 ¶7-ገጽ 15 ¶11)
ቍ. 1:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መእተዊታት (ht ገጽ 19 ¶11-ገጽ 20 ¶16)
ቍ. 2:- እያሱ 23:1-13
ቍ. 3:- td 23ሀ ሰማይ ናይ ኣምላኽ ቤት እዩ: ምድሪ ኸኣ ናይ ደቅሰብ
ቍ. 4:- ንየሱስ ምምላኽ ግቡእ ድዩ፧
17 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 1-4መዝ. 23 (200)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተወሳኺ መብርሂ ሓሳባት (ht ገጽ 15 ¶12, 13)
ቍ. 1:- ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 20 ¶1-ገጽ 22 ¶10)
ቍ. 2:- መሳፍንቲ 2:1-10
ቍ. 3:- td 23ለ ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧
ቍ. 4:- ንገዛእ ርእስኻ ኻብ ጐዳኢ ናይ ቪድዮ ሙዚቃታት ከተዕቍባ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
24 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 5-7መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብቐሊሉ እተገልጸ ዝርርብ (ht ገጽ 15 ¶14-16)
ቍ. 1:- ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶17-ገጽ 24 ¶21)
ቍ. 2:- መሳፍንቲ 6:25-35
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ምርጫ ናጽነትና ብኸመይ እዩ ኺጸልዎ ዘለዎ፧
ቍ. 4:- td 23ሐ ንሰማያዊ ህይወት ዚድለ ብቕዓታት
ጥሪ 31 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 8-10መዝ. 4 (43)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ልሙዳት ዘይኰኑ ስያመታት ተገሊጾም: ብዙሕ ሓሳባት ዘለዎ ኪኸውን የብሉን (ht ገጽ 16 ¶17-20)
ቍ. 1:- ንኸተጕልሕ ኢልካ ዚግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 25 ¶25-28)
ቍ. 2:- w03 15/1 ገጽ 19-20 ¶16-18
ቍ. 3:- td 24ለ ሲኦል ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ፍቕረ-ንዋይ ኪበሃል ከሎ ብዙሕ ንብረት ምውናን ማለት ጥራይ ኣይኰነን
7 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 11-14መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምስቲ ቐንዲ ኣርእስቲ ዚሰማማዕ መእተዊ (ht ገጽ 18 ¶8-ገጽ 19 ¶10)
ቍ. 1:- ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜቕልቡ ምግባር (ht ገጽ 26 ¶1-ገጽ 27 ¶6)
ቍ. 2:- መሳፍንቲ 12:1-15
ቍ. 3:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድነት ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
ቍ. 4:- td 24ሐ ሓዊ ምሳሌ ናይ ጥፍኣት እዩ
14 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 15-18መዝ. 28 (224)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምስቲ ዝርርብ ዝሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 22 ¶11-ገጽ 23 ¶12)
ቍ. 1:- ጥቕስታት ምንባብን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኦም ምግላጽን (ht ገጽ 30 ¶1-ገጽ 32 ¶14)
ቍ. 2:- መሳፍንቲ 15:9-20
ቍ. 3:- td 24መ ህላዌ ሰማያት ናይ ስቓይ ሲኦል ምህላዉ መረጋገጺ ኣይከውንን እዩ
ቍ. 4:- ክርስትያናት ኣብ ናይ ምዕዛም ተግባራት ኪካፈሉ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧
21 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሳፍንቲ 19-21መዝ. 8 (53)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣብ ግቡእ ቦታ ዚግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶13-¶16)
ቍ. 1:- ጥቕስታት ክትጥቀም ከሎኻ ቀንዲ ቓላቱን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡን ምጕላሕ (ht ገጽ 33 ¶18-¶22)
ቍ. 2:- w03 1/2 ገጽ 17-18 ¶18-21
ቍ. 3:- td 24ሠ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ጸብጻብ: ናይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ምህላዉ ኣየረድእን እዩ
ቍ. 4:- ገለ ኻብቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧ (1 ቈረ. 2:10)
28 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሩት 1-4መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ሓሳባት ንምልዋጥ ምዕራፍ (ht ገጽ 24 ¶22-ገጽ 25 ¶24)
ናይ ቃል ድግማ
7 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 1-4መዝ. 27 (221)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቅስታት ግቡእ መእተዊ ተገይርሎም—1ይ ክፋል (ht ገጽ 27 ¶7-ገጽ 28 ¶11)
ቍ. 1:- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም (ht ገጽ 36 ¶15-18)
ቍ. 2:- 1 ሳሙኤል 2:1-11
ቍ. 3:- td 25ሀ ክርስትያናት በዓላት ምብዓል አየድልዮምን እዩ
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቘጸርቲ ከዋኽብቲ ዘይውከሱ ስለምንታይ እዮም፧
14 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 5-9መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይርሎም—2ይ ክፋል (ht ገጽ 28 ¶12-ገጽ 29 ¶18)
ቍ. 1:- መራጐዲ ዚኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቓም (ht ገጽ 37 ¶19, 20)
ቍ. 2:- 1 ሳሙኤል 5:1-12
ቍ. 3:- td 25ለ ክርስትያናት በዓላት ኣብ ምብዓል ዘለዎም ኣረኣእያ
ቍ. 4:- ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ከነደልድለሉ እንኽእል መገድታት
21 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 10-13መዝ. 4 (43)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብዛዕባ እቲ ጥቕስታት ከም ዚህንጠዩ ምግባርን ስለምንታይ ከም ዚጠቅም ምግላጽን (ht ገጽ 29 ¶19 -¶21)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ቐንዲ ኣርእስቲ ምምራጽ (ht ገጽ 37 ¶1-ገጽ 38 ¶4)
ቍ. 2:- 1 ሳሙኤል 10:1-12
ቍ. 3:- ክርስትያናት ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ዜፍቅርዎ ሰብ ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧
ቍ. 4:- td 26ሀ ብምስሊ ኰነ ሓወልቲ ጌርካ ምምላኽ: ንኣምላኽ ውርደት እዩ
28 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 14-15መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኦም ብንጹር ተገሊጹ (ht ገጽ 32 ¶15-17)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ቐንዲ ነጥብታት ምምራጽ (ht ገጽ 39 ¶9-ገጽ 40 ¶13)
ቍ. 2:- w03 15/3 ገጽ 19-20 ¶17-21
ቍ. 3:- ክርስትያናት ግብሪ ዚኸፍሉ ስለምታይ እዮም፧
ቍ. 4:- td 26ለ ንምስልታት ምምላኽ ዘለዎ ጕድኣት
4 ሚያ. ንባብ ምጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 16-18መዝ. 4 (43)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣድላዪነት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶1- ¶3)
ቍ. 1:- ቀንዲ ነጥብታት ብዝግባእ ምምዕባሉ (ht ገጽ 40 ¶14-ገጽ 42 ¶21)
ቍ. 2:- 1 ሳሙኤል 17:41-51
ቍ. 3:- td 26ሐ የሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ ኪምለኽ ዚግብኦ
ቍ. 4:- ኣብቲ ዚመጸና ሳዕቤናት ምስትንታን: ነቲ ጽቡቕ ክንፈቱ ነቲ ሕማቕ ድማ ክንጸልእ ይሕግዘና
11 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 19-22መዝ. 21 (191)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ቀንዲ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶4-ገጽ 35 ¶10)
ቍ. 1:- መንእሰያት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩሉ ዚኽእሉ መገድታት (w03 1/4 ገጽ 8-10)
ቍ. 2:- 1 ሳሙኤል 20:24-34
ቍ. 3:- ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ተፈታዊ ባህሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 27ሀ ምትሕንፋጽ እምነት ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን
18 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 23-25መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ንጹር ዘይኰነ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 35 ¶11-ገጽ 36 ¶14)
ቍ. 1:- ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን (w03 1/11 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- w03 1/5 ገጽ 17 ¶11-14
ቍ. 3:- td 27ለ ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓት ድየን፧
ቍ. 4:- ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ዝኣተወ ስለምንታይ እዩ፧
25 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ሳሙኤል 26-31መዝ. 25 (204)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዝሰማማዕ ቀንዲ ኣርእስቲ ምጕላሕ (ht ገጽ 38 ¶5-ገጽ 39 ¶8)
ናይ ቃል ድግማ
2 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 1-3መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ናብ ሰማዕቲ ብምጥማት ርክብ ምግባር (ht ገጽ 42 ¶1-ገጽ 43 ¶5)
ቍ. 1:- ትምህርቲ ስራሕ ንምርካብ ጥራይ ኣይኰነን ዚጠቅም (w03 15/3 ገጽ 11 ¶6-ገጽ 14 ¶5)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 2:1-11
ቍ. 3:- td 29ሀ ክርስትያናት ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኪጥቀሙ ኣለዎም
ቍ. 4:- ቅኑዕ ብምዃን ዚርከብ ጥቕምታት
9 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 4-8መዝ. 27 (221)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብቐጥታ ጠቒስካ ብምዝራብ ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባር (ht ገጽ 43 ¶6-ገጽ 44 ¶9)
ቍ. 1:- የሆዋ ንመንእሰያት ብሓቂ ይሓልየሎም እዩ (w03 15/4 ገጽ 29 ¶4-ገጽ 31 ¶3)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 5:1-12
ቍ. 3:- እቲ ሕጊ ኺዳን እንታይ ነገራት እዩ ፈጺሙ፧
ቍ. 4:- td 29ለ ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር
16 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 9-12መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 46 ¶1-ገጽ 48 ¶10)
ቍ. 1:- ነቲ እትገበሮ የሆዋ የስተብህለሉዶ፧ (w03 1/5 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 9:1-13
ቍ. 3:- td 29መ ንባህርያት ኣምላኽ ምልላይ
ቍ. 4:- ቃል ኣምላኽ ህያው ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧ (እብ. 4:12)
23 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 13-15መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም (ht ገጽ 44 ¶10-ገጽ 45 ¶19)
ቍ. 1:- መዝገብ ኖህ—ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧ (w03 15/5 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 13:10-22
ቍ. 3:- ንዮሃንስ 11:25, 26 ብኸመይ ክንርድኣ ይግብኣና፧
ቍ. 4:- td 29ሠ ኣምላኽ ፈጣሪ እዩ: ንዕኡ ምኽሓድ ድማ ሓደገኛ እዩ
30 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 16-18መዝ. 13 (124)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ንዝርርብካ ብባህርያዊ መገዲ ምቕራብ (ht ገጽ 48 ¶11-ገጽ 50 ¶23)
ቍ. 1:- ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ: ብጥበብ ድማ ተመላለስ (w03 15/7 ገጽ 21-3)
ቍ. 2:- w03 15/5 ገጽ 16-17 ¶8-11
ቍ. 3:- td 29ረ ኵሎም ሰባት ንሓደ ኣምላኽ ኣይኰኑን ዜምልኹ
ቍ. 4:- ትሕትና ምንጽብራቕ ስንፍና ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 19-21መዝ. 28 (224)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—1ይ ክፋል (ht ገጽ 50 ¶24-ገጽ 51 ¶26)
ቍ. 1:- ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ (w03 1/10 ገጽ 20 ¶1-ገጽ 21 ¶6)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 19:1-10
ቍ. 3:- ሓደ ክርስትያን ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ቈ. 4:- td 29ሰ የሆዋ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰነን
13 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ሳሙኤል 22-24መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—2ይ ክፋል (ht ገጽ 51 ¶27-ገጽ 52 ¶34)
ቍ. 1:- ዝንገረካ ስማዕ: ንልሳንካ ድማ ሓልዋ (w03 15/9 ገጽ 21 ¶1-ገጽ 22 ¶4)
ቍ. 2:- 2 ሳሙኤል 24:10-17
ቍ. 3:- td 30ሀ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ሃይማኖት ድዩ፧
ቍ. 4:- ሓደ ክርስትያን ካብ ዓለም ፍሉይ ኪኸውን ዘለዎ በየናይ መገድታት እዩ፧
20 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 1-2መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብመስተጻምር ጌርካ ሓሳባት ምውህሃድ (ht ገጽ 53 ¶1-ገጽ 54 ¶8)
ቍ. 1:- ይኣኽለኒ ምባል ተምሃር (w03 1/6 ገጽ 8-11)
ቍ. 2:- w03 1/6 ገጽ 12-13 ¶1-4
ቍ. 3:- ነታ ዓስረይቲ ትእዛዝ ፍልይቲ ዚገብራ እንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 30ለ ብቐዳማይ ደረጃ ናይ “የሆዋ” ደኣምበር ናይ “ክርስቶስ መሰኻኽር” ኣይኰኑን
27 ሰነ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 3-6መዝ. 6 (45)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 54 ¶9-ገጽ 55 ¶13)
ናይ ቃል ድግማ
4 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 7-8መዝ. 1 (13)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 55 ¶14-ገጽ 57 ¶21)
ቍ. 1:- ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመንቲ ብጾት ኣኽቢርካ ምርኣይ (w03 1/9 ገጽ 30-31)
ቍ. 2:- 1 ነገስት 8:1-13
ቍ. 3:- የሱስ ንዓለም ዝሰዓራ ብኸመይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 30ሐ ካብ ወለንታዊ ውጽኢታት ዚርከብ ናይ ገንዘብ ደገፍ
11 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 9-11መዝ. 21 (191)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዜእምን ሓሳባት (ht ገጽ 57 ¶1 - ገጽ 58 ¶6)
ቍ. 1:- የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዜረጋግጽ መርትዖ (w03 15/6 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- 1 ነገስት 9:1-9
ቍ. 3:- td 31ሀ የሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ውህበት እዩ
ቍ. 4:- ወልፊ ሓሽሽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተግባር ብምውዓል ኪውገድ ይከኣል እዩ
18 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 12-14መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዜእምን ኣቀራርባ ኸተማዕብለሉ እትኽእል መገዲ (ht ገጽ 59 ¶7-ገጽ 60 ¶14)
ቍ. 1:- ሓሳባት ግብሪ ይወልድ: ግብሪ ሳዕቤን የምጽእ (w03 15/1 ገጽ 30 ¶1-3)
ቍ. 2:- 1 ነገስት 12:1-11
ቍ. 3:- እምነት ንፈተናታት ብዓወት ንኽንዋጽኣሉ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
ቍ. 4:- td 31ለ የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ: ንግስነት እውን ተዋሂብዎ እዩ
25 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 15-17መዝ. 23 (200)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ዝሓዘ ቓላትን ሓሳባትን ምጕላሕ (ht ገጽ 62 ¶1-ገጽ 64 ¶9)
ቍ. 1:- ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕለሉ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (w03 1/12 ገጽ 21 ¶3-ገጽ 23 ¶3)
ቍ. 2:- w03 15/7 ገጽ 19 ¶15-17
ቍ. 3:- td 31ሐ የሱስ እቲ ዝዓበየ ነብዪ ኣምላኽ እዩ
ቈ. 4:- መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት ዜጸናንዖም ብኸመይ እዩ፧
1 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 18-20መዝ. 12 (113)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ሰማዕቲ ምኽንያት ንኺርድኡ ተሓጊዞም (ht ገጽ 60 ¶15-ገጽ 62 ¶24)
ቍ. 1:- መንእሰያት—ንየሆዋ ብቑዓት ኴንኩም ተመላለሱ (w03 15/10 ገጽ 23 ¶1-ገጽ 24 ¶1)
ቍ. 2:- 1 ነገስት 18:1-15
ቍ. 3:- ኵሎም ክርስትያናት ብዙሕ ፍረ ኺፈርዩ ይኽእሉ እዮም
ቍ. 4:- td 31መ ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን ንድሕነት ኣድላዪ እዩ
8 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ነገስት 21-22መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለየ ሓይሊ ምጥቃም (ht ገጽ 64 ¶10-ገጽ 65 ¶14)
ቍ. 1:- ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ (w03 1/8 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- 1 ነገስት 21:15-26
ቍ. 3:- td 31ሠ ኣብ የሱስ ጥራይ ምእማን ንድሕነት ኣኻሊ ድዩ፧
ቍ. 4:- ትብዓት ክትህልወና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ኸነማዕብላ ንኽእል፧
15 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 1-4መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለይ ፍጥነት ምጥቃም (ht ገጽ 65 ¶15-ገጽ 66 ¶20)
ቍ. 1:- “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” (w03 1/8 ገጽ 20-22)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 3:1-12
ቍ. 3:- እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ዚጸንሑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ቍ. 4:- td 33ሀ ዕላማን ኣድላዪነትን መንግስቲ ኣምላኽ
22 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 5-8መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ሓሳባት ወይ ነቲ ስምዒት ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ምልውዋጥ (ht ገጽ 66 ¶21-ገጽ 67 ¶24)
ቍ. 1:- ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ክኢላ ምዃን (w03 1/8 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- w03 1/8 ገጽ 19 ¶18-22
ቍ. 3:- td 33ለ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት
ቍ. 4:- ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ባህርያት ናይ ዮናስ ኢና ኽንቀድሖ ዘሎና፧
29 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 9-11መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ህያው ብዝዀነ ኣቀራርባ እተራእየ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 67 ¶1-ገጽ 68 ¶5)
ናይ ቃል ድግማ
5 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 12-15መዝ. 7 (51)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ዝርርብ ዚሰማማዕ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 68 ¶6- ገጽ 69 ¶9)
ቍ. 1:- ንየሆዋ ብዕቱብዶ ትደልዮ ኣለኻ፧ (w03 15/8 ገጽ 25-8)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 12:1-12
ቍ. 3:- ለውሃት ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 33ሐ መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ እትጅምር ገና ጸላእቲ ክርስቶስ ከይጠፍኡ ኸለዉ እዩ
12 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 16-18መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምዉቕ: ስምዒት ዘለዎ ኣቀራርባ (ht ገጽ 69 ¶10-ገጽ 71 ¶21)
ቍ. 1:- ሰባት ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዮም ዚዝክሩ፧ (w03 15/8 ገጽ 6 ¶6-ገጽ 8 ¶6)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 16:10-20
ቍ. 3:- td 33መ ክርስቶስ ብጴንጠቆስጠ ገና ምሉእ ስልጣን ንግስነት ኣይተዋህቦን
ቍ. 4:- ንጐይታ ዜሓጕሶ ነገር ክንምርምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
19 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 19-22መዝ. 3 (32)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዚሰማማዕ መብርሂታት (ht ገጽ 72 ¶1-ገጽ 74 ¶14)
ቍ. 1:- “ነቲ ጥዑይ ቃል ንምሳሌ ሓዞ” (w03 1/1 ገጽ 29 ¶3-ገጽ 30 ¶4)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 19:20-28
ቍ. 3:- td 33ሠ መንግስቲ ኣምላኽ ብጻዕሪ ደቂ ሰባት ኣይኰነትን እትመጽእ
ቍ. 4:- ካብቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብ ጉባኤ ሰሚርና ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋትና እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
26 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 23-25መዝ. 2 (15)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- መሃሪ መብሪሂታት (ht ገጽ 74 ¶15-ገጽ 75 ¶19)
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስን ቀኖናኡን—1ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 4 ¶1-6)
ቍ. 2:- w03 15/8 ገጽ 20 ¶6-10
ቍ. 3:- ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና
ቍ. 4:- td 34ሀ “መወዳእታ ዓለም” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
3 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 1-4መዝ. 7 (51)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ላዛ ዘለዎ መብርሂታት (ht ገጽ 75 ¶20-22)
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስን ቀኖናኡን—2ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 4 ¶7-16)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 4:24-43
ቍ. 3:- td 34ለ ምልክታት ዳሕሮት መዓልትታት ንምልላይ ብመንፈስ ንቑሕ ኵን
ቍ. 4:- የሆዋ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ የፍቅረና እዩ
10 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 5-7መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ንግራት ኣገልግሎት ዚሰማማዕ ኣቀራርባ (ht ገጽ 76 ¶1-ገጽ 77 ¶5)
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስን ቀኖናኡን—3ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 4 ¶17-26)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 5:18-26
ቍ. 3:- ብዛዕባ “መዓልቲ የሆዋ” እንፈልጦ ነገር እንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 34ሐ ዳሕሮት መዓልትታት ካብ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዘን እየን ጀሚረን (ዚርኣ መረጋገጺታት)
17 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 8-11መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዚሰማማዕ ነጥብታት ተመሪጹ (ht ገጽ 77 ¶6-ገጽ 78 ¶10)
ቍ. 1:- ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ—1ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 5 ¶1-5)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 10:1-14
ቍ. 3:- td 34መ ዳሕሮት መዓልትታት ካብ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዘን እየን ጀሚረን (ብናይ መስርዕ ፍጻመታት መረጋገጺ)
ቍ. 4:- ምስ መን ኣብ እንገብሮ ርክብ ኢና ክኢላት ክንከውን ዘሎና፧
24 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 12-15መዝ. 12 (113)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ናይቲ ዝርርብ ጐሊሑ (ht ገጽ 78 ¶11-ገጽ 79 ¶13)
ቍ. 1:- ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ—2ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 5 ¶6-9)
ቍ. 2:- w03 1/11 ገጽ 10-11 ¶10-13
ቍ. 3:- ብስም ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቍ. 4:- td 36ሀ ብተኣማንነት ንእተገብረ ኣገልግሎት ዚወሃብ ናይ ኣምላኽ ውህበት
31 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 16-20መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዚሰማማዕ መዕጸዊ (ht ገጽ 79 ¶1-ገጽ 80 ¶9)
ናይ ቃል ድግማ
7 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 21-25መዝ. 25 (204)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መዕጸዊ (ht ገጽ 81 ¶10-¶14)
ቍ. 1:- ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ—3ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 5 ¶10-16)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 22:1-10
ቍ. 3:- td 36ለ ዘለኣለማዊ ህይወት ሕልሚ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ማእሰር መርዓ ክድልድለሉ ዚኽእል መገዲ
14 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 26-29መዝ. 2 (32)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 81 ¶15-ገጽ 82 ¶20)
ቍ. 1:- ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ—4ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 5 ¶17-25)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 29:1-9
ቍ. 3:- ኣገልገልቲ የሆዋ ዚስጐጉ ስለምንታይ እዮም፧
ቍ. 4:- td 36ሐ ሰማያውን ምድራውን ህይወት ክልቲኡ ናይ ኣምላኽ ተስፋታት እዩ
21 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 1-5መዝ. 5 (46)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 83 ¶21-ገጽ 84 ¶29)
ቍ. 1:- ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ—5ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 5 ¶26-31)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 2:1-10
ቍ. 3:- ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ
ቍ. 4:- td 36መ ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧
28 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 6-9መዝ. 9 (37)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ርግኣት ንዝርርብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 85 ¶1-ገጽ 86 ¶9)
ቍ. 1:- ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ—1ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 6 ¶1-7)
ቍ. 2:- w03 1/12 ገጽ 15-16 ¶3-6
ቍ. 3:- ብየሆዋ ኸም እንሕጐስ ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት
ቍ. 4:- td 36ሠ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚረኽቡ ሰባት ውሱን ኣይኰነን
5 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 10-14መዝ. 15 (127)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣብ ኣካላዊ ትርኢት ዚንጸባረቕ ርግኣት (ht ገጽ 87 ¶10-¶14)
ቍ. 1:- ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ—2ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 6 ¶8-16)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 12:1-12
ቍ. 3:- ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 38ሀ መርዓ—ቅዱስ ስርዓት ኣምላኽ
12 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 15-19መዝ. 13 (124)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣከዳድናን ኵልንትናዊ ኣቃውማን (ht ገጽ 88 ¶15-ገጽ 89 ¶21)
ቍ. 1:- ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ—3ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 6 ¶17-25)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 19:1-11
ቍ. 3:- td 38ለ ማእሰር መርዓ ክቡር ኪኸውን ኣለዎ
ቍ. 4:- ካብ ስድራቤት የሱስ ክንመሃሮ እንኽእል ትምህርቲ
19 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 20-24መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣቃውማ (ht ገጽ 89 ¶22-ገጽ 90 ¶28)
ቍ. 1:- ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ—4ይ ክፋል (bsi05 መጽናዕቲ 6 ¶26-32)
ቍ. 2:- w03 15/12 ገጽ 16-17 ¶13-15
ቍ. 3:- ይኣኽለኒ ምባል ብምምሃርና እንረኽቦ በረኸታት
ቍ. 4:- td 38ሐ ክርስትያነት ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ኬኽብርዎ ኣለዎም
26 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 25-28መዝ. 29 (222)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ናይ ገጽ መግለጺታትን ጽፉፍ መሳሪሕታትን (ht ገጽ 90 ¶29-ገጽ 91 ¶34)
ናይ ቃል ድግማ