ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምና ንምምርማር እተገብረ ሓድሽ ምድላው
እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን: የሆዋ “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” የበራትዓና። (ቲቶ. 2:12) ዓመታዊ ናይ ወረዳን ናይ መዓልቲ ፍሉይን ኣኼባታት ገለ ኻብቲ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚገብሮ ምድላዋት እዩ። (ማቴ. 24:45) እዚ ኣኼባታት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜበራትዕ ኰን እዩ!
ካብ 2005 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ኣትሒዙ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እተዋህበና መምርሒታት ክንዝክሮን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ: ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምና ንምምርማር ሓድሽ ምድላው ተገይሩ ኣሎ። ኣብ ገጽ 5-6 እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት እዚኣ: ገለ ኻብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ዚቐርብ ኣርእስትታትን ንነፍሲ ወከፉ ንምድጋም ዜኽእል ናይ ድግማ ሕቶታትን ይርከብ። ጉባኤታት ነዚ ሓበሬታ እዚ ቀቅድሚ እቲ ዓብዪ ኣኼባን ደድሕሪኡን ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኺመያየጣሉ እየን። እዚ ብኸመይ እዩ ኺግበር፧
እታ ጉባኤ ናይ ወረዳ ኣኼባ ቕድሚ ምግባራ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ኣቐዲሙ “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ” ኣብ ዘርእስቱ ዓንቀጽ እተመስረተ ሰማዕቲ ነቲ ኣኼባ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበይዎ ዚገብር ዓሰርተ ደቒቕ ዚወስድ ዝርርብ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኪቐርብ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ተዛራባይ ንሰማዕቲ ናብቲ ናይ ድግማ ሕቶታት ከም ዜተኵሩ ብምግባር: ኵላቶም ደድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ንዚግበር ድግማ ዚሕግዞም ነጥብታት ኪሕዙ የተባብዖም።
እቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ ምስ ተወድአ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ን15 ደቒቕ ዚኸውን ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድግማ ኺግበር እዩ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ድማ ን15 ደቒቕ ዚኸውን ናይታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድግማ ኺግበር እዩ። ኣብዛ እታው እዚኣ ዚርከብ ናይ ድግማ ሕቶታት ነዚ ምይይጥ እዚ ንምግባር ዚሕግዝ እዩ። እቲ ድግማ ኣብ ግብራዊ ጥቕሚ ናይቲ ዝርርብ ኬተኵር ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት እዚ ድግማ እዚ ብግቡእ ምእንቲ ኺውሰድ ንገለ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኽፍልታት ኣሕጽር ኣቢሎም ኬቕርቡዎ: ኪስርዙዎ: ወይውን ንኻልእ ግዜ ኼሰጋግሩዎ ይኽእሉ እዮም።
ንመዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እውን ተመሳሳሊ ምድላው ኪግበር እዩ: ንዕኡ እተፈልየ ዚገብሮ ግን ብምሉኡ እቲ ናይ ድግማ መደብ ሓንሳእን ብ15 ደቒቕን ዚሽፈን ብምዃኑ ጥራይ እዩ። ኵላትና ኻብቲ ብሉጽ መምርሒ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ነዛ እታው እዚኣ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ነቐምጣ: ኣብቲ እተድልየሉ ግዜ ድማ ብዚግባእ ክንጥቀመላ ኢና።—ኢሳ. 48:17, 18