ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ጥቅምቲ 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 6 መስከረም ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ክፍሊ ቍ. 1
1. ከመይ ዝበለ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ስልጣነ እዩ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት: እታ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረት ዓለም ናብ መወዳእታ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንኺኣምኑ ከም ዜጸግሞም ዝገበረ፧ [w02 1/3 ገጽ 5-6]
2. እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ንየሱስ “መምህር” ደኣ እምበር “ፈዋሲ” ኢሎም ይጽውዕዎ ኸም ዘይነበሩ ኸነስተብህለሉ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 3:12፣ 7:40) [w02 1/5 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 6]
3. ምሳሌ 11:24, 25 ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሉእ ተሳታፍነት ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ [w02 15/7 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 3-5]
4. እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልዋ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ዘበገሰ: ውጽኢት እዚ ዕልዋ እዚኸ እንታይ ኰነ፧ (ዘፍ. 3:1-6) [w02 1/10 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 1, 3-4]
5. እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ዝቘመሉ ዕለት መዓስ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኺፍለጥ ዚከኣል፧ [bsi04 ገጽ 2 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
6. የሆዋ ንበላዓም ምስቶም ልኡኻት ባላቅ ኪኸይድ ነጊርዎ ኼብቅዕ: ደሓር ምስ ከደ እተቘጥዖ ግን ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሁ. 22:20-22)
7. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ብዓል ቤታ: ንዝገበረቶ መብጽዓታት ካብ ምፍጻም ኪኽልክላ ይኽእልዶ፧ (ዘሁ. 30:6-8)
8. ሎሚ “ኸተማታት መዕቈቢ” ንምንታይ እየን ዜመልክታ፧ (ዘሁ. 35:6) [w95 15/11 ገጽ 17 ሕጡብ ጽሑፍ 8]
9. እቲ ኣብ ዘዳግም 6:6-9 ዚርከብ ‘ኣብ ኢድካ እሰሮ: ከም ክታብ ይኹንካ’ ዚብል ትእዛዝ ቃል ንቓሉ ኽንርድኦ ድዩ ዚግብኣና፧
10. እቲ “ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን” ዚብል መግለጺ እስራኤላውያን ክዳውንቶም ብሓድሽ ክዳውንቲ ይትካእ ነይሩ ማለት ድዩ፧ (ዘዳ. 8:4)