ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ሰነ 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 3 ግንቦት ክሳዕ 28 ሰነ 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ካብ መድረኽ ክንዛረብ ከለና ዘይባህርያዊ ኣዘራርባ ንኽንጥቀም ኪገብረና ዚኽእል ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 179 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
2. ድምጽና ምእንቲ ኸነመሓይሽ: ኣተነፋፍሳና ምዕራይን ጭዋዳታትና ኸም ዚዛነ ምግባርን ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ. 181 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
3. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ከነካፍሎም ከለና: ‘ንዅላቶም ኵሉ ንምዃን’ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ (1 ቈረ. 9:20-23) [be ገጽ 186 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
4. ኣብ ኣገልግሎት ጽን ኢልካ ምስማዕ እንታይ የጠቓልል፧ [be ገጽ 187]
5. ኣብ ኣገልግሎት ንእንረኽቦም ዘበልና ኣኽብሮት ምርኣይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 190]
ክፍሊ ቍ. 1
6. እቶም ቲኦክራሲያዊ መምርሒ ዚነግሩ እንታይ ሸቶ እዩ ዘለዎም: ነቲ ሸቶ እቲ ንኽንወቅዕ ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧ (ማቴ. 5:16፣ ዮሃ. 7:16-18) [be ገጽ 56 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 57 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
7. ክንምህር ከለና ዚጻረር ሓሳባት ምጕላሕ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: የሱስ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እተጠቕመሉኸ ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 57 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 58 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
8. ኣመሃህራ የሱስ ከምቲ ናይ ፈሪሳውያን ዘይኰነስ: ኣልባብ ሰባት ዝተንከፈ ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 59 ሕጡብ ጽሑ 2-3]
9. ነቶም እንምህሮም ሰባት ኣብ ውሳነኦም ጣልቃ ኸይኣተና: ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ [be ገጽ 60 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3]
10. ብሕታዊ ውሳነ ብዛዕባ ኺግበረሉ ዚግባእ ጕዳያት ሕቶታት ምስ ዚቐርበልና ብኸመይ ኢና ኽንምልስ ዘሎና፧ [be ገጽ 69 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ሙሴ ኸም “ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ዅሉ ኣቓሑኡን” ገይሩ ኺዓዪ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘጸ. 25:9) [it-2 ገጽ 1058 ሕጡብ ጽሑፍ 7 እንግሊዝኛ]
12. ካብቲ ኣሮን ብዛዕባ እቲ ወርቂ ምራኽ ንሙሴ ዝሃቦ መልሲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ዘጸ. 32:24)
13. እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ኣብ ዘጸኣት 34:23, 24 ዝሃቦም ትእዛዝ ብምእዛዝ ካብ ዜርኣይዎ እምነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
14. ዕላማ መስዋእቲ ምስጋና እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ዘሌ. 3:1)
15. እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 8:23 ዚርከብ ንኣሮን ንምቕባእ እተገብረ ተግባራት: ጽላሎት እቲ ኣብ የሱስ ዚፍጸም ነገራት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ [it-2 ገጽ 1113 ሕጡብ ጽሑፍ 4 እንግሊዝኛ፣ w68 ገጽ 399 ቍ. 24 እንግሊዝኛ]