ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ንምንታይ የድልየና፧
1. ኣጀማምራ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከመይ ነበረ፧
1 ብ1895 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ኣብ ዚጽውዑሉ ዚነበሩ እዋን: ጕጅለታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወጋሕታ ዚበሃላ ነይረንኦም። ጥራዛት ሚለኒያል ዳውን ንመጽናዕቲ ይጥቀሙለን ነይሮም። ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ኸኣ እዘን ጉጅለታት እዚኣተን ጕጅለታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤርያውያን ኪበሃላ ጀመራ። (ግብ. 17:11) መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣባላት እታ ጉጅለ ኣብ ዝምሽኦም ምሸት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ነይሮም። እዚ ኣኼባታት እዚ ነዘን ሕጂ ዘለዋ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መሰረት ኰይኑ እዩ።
2. ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ “ኣብ ሓድሕድና . . . ክንጸናናዕ” እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ምጽንናዕን ሓገዝን:- ቍጽሪ ኣባላት ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ሒደት ስለ ዝዀነ: እቶም ተኣከብቲ ሓሳብ ብምሃብ እምነቶም ንኺገልጹ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። እዚ ኸኣ “በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት . . . ክንጸናናዕ” የኽእለና።—ሮሜ 1:12
3, 4. ኣገልግሎትና ንምፍጻም ትምህርቲ መጽሓፍ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧
3 እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ዚምህረሉ መገዲ ምስትብሃልና: ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ኸነማቕል’ ይሕግዘና። (2 ጢሞ. 2:15) ነቲ ኣብቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ዘሎ ቕዱስ ጽሕፋዊ ሓሳባት ከመይ ከም ዜጕሉሖ ነስተውዕል። ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ: ኣብ መወዳእታ እቲ መጽናዕቲ ነተን ኣገደስቲ ዝዀና ነጥብታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሕ እዩ። እቲ ሰናይ ኣብነቱ ነቲ ናይ ምምሃር ክእለትና ኸነመሓይሽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 11:1
4 እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ሰሙናዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ይመርሕ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዕዮ ወንጌላውነትውን ግንባር ቀደም እዩ። ምስቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብምትሕብባር ንግራት ኣገልግሎት ዚጥዕም መደባት የውጽእ። ነቶም ኣባላት እታ ጉጅለ እቲ ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ዝዀነ ወንጌል ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ንኺፍጽሙ ይሕግዞም።—ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ቈረ. 9:16
5. ካብቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ እንታይ ብሕታዊ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧
5 ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ብዛዕባ መንፈሳውነት ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ይግደስ እዩ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ኬገልግል ከሎን ነቲ ተገዳስነቱ የርኢ። ናብ ቤቶም ብምኻድ ከኣ ብመንፈሳዊ የበርትዖም። መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዜድልዮ እተሰመዖ እንተሎ: ነቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ቐሪቡ ንምዝርራብ ኬማትእ የብሉን።—ኢሳ. 32:1, 2
6. (ሀ) ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትና ሒደት ኰይኖም ብምእካቦም ብኸመይ ተተባቢዖም፧ (ለ) ብብሕትኻ ኻብ ትምህርቲ መጽሓፍ እንታይ ተጠቒምካ፧
6 ንሓድሕድና ንምትብባዕ:- ዕዮ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እተኣገደለን ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣሕዋት ሒደት ኰይኖም እዮም ዚእከቡ። ሓደ ሓው ነቲ ዝነበረ ዅነታት ኪዝክር ከሎ “ክርስትያናዊ ዕዮታትና ተኣጊዱ እኳ እንተ ነበረ: ብእተኻእለና መጠን ካብ 10 ክሳዕ 15 ኴንና ኣብ ሰሰሙን ንእከብ ኔርና። ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ እንገብሮ ዝነበረና ምይይጥን መንፈሳዊ ምትብባዕ ንረክብ ኔርና። ተመክሮታት ንነጋገር ነበርና: እዚ ኸኣ ኵላትና ተመሳሳሊ መከራ ኸም ዜጋጥመና ንኽንርዳእ ሓጊዙና እዩ” በለ። (1 ጴጥ. 5:9) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንናይ ጉባኤና ትምህርቲ መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ብምሕጋዝ: ንሓድሕድና ንተባባዕ።—ኤፌ. 4:16