ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 26 ሚያዝያ 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 1 መጋቢት ክሳዕ 26 ሚያዝያ 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ዝርርብ ከነቕርብ ከለና: ንዅሉ እቲ እንብሎ ጽሒፍና ኣብ ክንዲ እነንብቦ: ካብ እተዋጽአ ጽሑፍ ከነቕርብ ዝሓሸ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 166 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
2. ንግራት ኣገልግሎት ክንዳሎ ኸለና: ነፍሲ ወከፍ ቃል ሸምዲድና ዘይኰነስ ነቲ ፍረ ነገሩ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና ኽንከይድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [be ገጽ 167 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
3. በቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:16-41 ከምኡውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ: ጳውሎስ ‘የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ብኸመይ ኣፎም የትሕዞም’ ወይ ብመርትዖ የእምኖም ከም ዝነበረ ግለጽ። (ግብ. 9:22) [be ገጽ 170 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
4. ብናትካ ኣበሃህላ ጌርካ ዝርርብ ምቕራብ ካብ ዘለዎ ረብሓታት ገለ እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 175 ሕጡብ ጽሑፍ 1-4]
5. ብናትካ ኣበሃህላ ጌርካ ዝርርብ ምቕራብ: እንታይ ጸገማት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል: ነዚ ንኸነወግዶኸ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ [be ገጽ 175 ሕጡብ ጽሑፍ 5–ገጽ 176 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ብመሰረት ዘፍጥረት 32:24-32: እቲ ወዲ 97 ዓመት ዝነበረ ያእቆብ በረኸት የሆዋ ንኺረክብ እንታይ ገበረ: ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧ [w02 1/8 ገጽ 29-31]
7. “ናይ ምሕሳብ ክእለት” እንታይ እዩ: ሚዛንና ንኸይንስሕትን ብዘየድሊ ንኸይንጕዳእን ኪሕግዘና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 1:4 NW) [w02 15/8 ገጽ 21-2]
8. ሓደ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝርርብ ዜቕርብ ሓው: ዝርርቡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመስረተ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 52 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 53 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
9. ሓደ ተዛረባይ ካብቲ መሰረታዊ ነገር ጥራይ ዝሓዘ እተዋጽአ ጽሑፍ ተበጊሱ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዚግባእ ንኼነጽር እንታይ ውሳነታት ኪገብር ኣለዎ፧ [be ገጽ 54 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
10. የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ብዘይ ምቍራጽ ማና ዝቐለቦም ስለምንታይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ (ዘዳ. 8:16) [w02 1/9 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 37:12-17 ተገሊጹ ዘሎ: ኣብ መንጎ እቲ ዮሴፍን የሱስን ዝወሰድዎ ስጕምትታት እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧ [w87 1/5 ገጽ 12 ቍ. 12 እንግሊዝኛ]
12. ኣብ ዘፍጥረት 42:25-35 ኣብ ዚርከብ ጸብጻብ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ዮሴፍ ምስቲ ናይ የሱስ ዚመሳሰል ድንጋጽ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ [w87 1/5 ገጽ 18 ቍ. 10፣ ገጽ 19 ቍ. 17]
13. እቲ ሕጂ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመ ባርያ ዚገብሮ ምድላዋት ምስቲ ብግዜ ዮሴፍ ዝነበረ ዕደላ እኽሊ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 47:21-25)
14. የሆዋ “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ኪብል ከሎ: ብዛዕባ ስሙ እንታይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ (ዘጸ. 3:14, 15 NW)
15. ኣብ ዘጸኣት 16:2, 3 ምጕርምራም እንታይ ክልተ ሓደጋታት ከም ዘለዎ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧ [w93 15/3 ገጽ 20-1 እንግሊዝኛ]