ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/04 ገጽ 1
  • ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንሃቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንሃቦ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ ‘ምስሊ ሓቂ’ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ መስዋእቲ ኣቕርበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ብምቕራብ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 4/04 ገጽ 1

ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንሃቦ

1 የሆዋ ንእስራኤላውያን እቲ ንመስዋእቲ ዜቕርቡሉ እንስሳ “ጐደሎ ዜብሉ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ሓጊጉሎም ነይሩ። ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ተቐባልነት ኣይነበሮን። (ዘሌ. 22:18-20፣ ሚል. 1:6-9) ኣብ ልዕሊ እዚውን መስዋእቲ ኪቐርብ ከሎ: ኵሉ እቲ ስብሒ: ማለት እቲ ዘዝበለጸ ኽፋል ንየሆዋ ይቐርብ ነበረ። (ዘሌ. 3:​14-16) የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣቦኦምን ጐይታኦም ስለ ዝነበረ: ዘዝበለጸ ኺወሃቦ ዚግባእ እዩ።

2 ልክዕ ከም ጥንቲ ሕጂውን እንተዀነ: ኣምላኽ እቲ መዓልታዊ እነቕርበሉ ኣገልግሎት ብሉጽ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኣጸቢቑ የገድሶ እዩ። ኣገልግሎትና ንየሆዋ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኼንጸባርቕ ኣለዎ። ኵነታትና ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዚፈላለ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንህቦ ኸም ዘሎና ርእስና መርሚርና ንምርግጋጽ ግን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።​—⁠ኤፌ. 5:10

3 ብምሉእ ነፍሲ ዚቐርብ ኣገልግሎት:- ኣገልግሎትና ንየሆዋ ዜኽብሮን ንልቢ ሰማዕትና ዚትንክፍን እምበር: ንማለቱ ዚግበር ኪኸውን የብሉን። ብዛዕባ ኣምላኽናን ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ዕላማታቱን እንዛረቦ ዘረባ: ካብቲ ብሞሳ ዝመልአ ልብና ዝመነጨ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 145:7) እዚ ኸኣ ጽቡቕ መደብ ናይ ብሕቲ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልወና ኸም ዘለዎ እዩ ዜጕልሕ።​—⁠ምሳ. 15:28

4 ንየሆዋ ዘዝበለጸ ኽንህቦ ኺበሃል ከሎ: ነታ ንሰባት ዜርእዮም ፍቕሪ ኽንቀድሓ ማለት እውን እዩ። (ኤፌ. 5:1, 2) እታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ: ነቲ ህይወት ዚህብ መልእኽቲ ሓቂ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ከነብጽሕ ንኽንጽዕር ትድርኸና። (ማር. 6:34) ነቶም እንዛረቦም ሰባት ብብሕቲ ኸም እንግደሰሎም ንኸነርእዮም ትደፋፍኣና። ንፈለማ ግዜ ንሰባት ድሕሪ ምዝርራብና: ብዛዕባኦም ከም እንሓስብን ቀልጢፍና ኸም እንምለሶምን ትገብረና። ብመንፈስ ንኺዓብዩ ምእንቲ ኽንሕግዞም: ዝከኣለና ዅሉ ንኽንገብር ትድርኸና።​—⁠ግብ. 20:24፣ 26:28, 29

5 “መስዋእቲ ምስጋና”:- ንየሆዋ ዘዝበለጸ እንህበሉ ኻልእ መገዲ: ኣብ ኣገልግሎት ትጉሃት ምዃን እዩ። ኣገልግሎትና ብዚግባእን ብኣትኵሮን ምስ እንሕዞ: ኣብቲ ተሪፉና ዘሎ ግዜ እቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ሰናይ ነገር ክንገብር ንኽእል። (1 ጢሞ. 4:10) ጽቡቕ ምድላው: ብንጹርን ብምትእምማንን ንኽንዛረብ የኽእለና: ብጽቡቕ ከም ዚቕበሉና እውን ኪገብር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 16:21) ነቲ ብስራት ንሰባት ክንነግሮም ከለና: እቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ቓላትና “መስዋእቲ ምስጋና” ኺበሃል ይከኣል እዩ።​—⁠እብ. 13:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ